2009-09-29 13:39:44

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሬፓብሊክ ቸክ ርእሰ ከተማ ፕራግ ምስ ናይ ክርስትያን ሓድነት ቤት ምኽሪ ኣባላት ተራኺቦም፣


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ረፓብሊክ ቼክ ኣብ ኣብ ፕራግ ምስ ናይ ክርስትያን ሓድነት ቤት ምኽሪ ኣባላትን ማሕበረሰብ ናይ ሃይማኖት ኣይሁድን ከምእተራኸቡ RealAudioMP3 ተሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ምስቶም ናይ ክርስትያን ሓድነት ቤት ምኽሪ ኣባላት ተራኺቦም ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ፣ ናይ ደስነት ሥርዓት ካብ ዝወድቕ እነሆ 20 ዓመታት ሓሊፉ ዝመጸ ጊዜ ክብድ ዝብል እኳ እንተኾነ፣ ጽኑዕን ናይ ተሳትፎ ሕዝቢ ዘረጋገጸን ናይ ፖለቲካ ሥርዓት መሠረት እናሓዘን ክርስትያን ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብሓባር ኣብ ዘተን ናይ ሕድ ሕድ ምርድዳእን ምክብባርን ተመሥሪቶም ንሰላምን ንናይ ሓባር ረብሓን ምዕባለን ዘተኮረ ቅኑዕ ናይ ፖለቲካ ሥርዓት ንምርግጋጽ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዘጉልሕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ እውን አመልኪቶም። ንናይ ኅብረተሰብ ረብሓ ብዝብል ምስምስ እምነት ክርስትና ዘመሓላልፎ ክቡር ዋጋን ዘቕርቦ ትምህርቲ ንውሑዳት ዝምልከት ኢዩ እናተባህለ ንምንጻል ዝግብረ ጻዕሪ መሠረት ዘይብሉ ሓሳብ ኢዩ ኢሎም። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ወንጌልን ቀልባውን ማህበራዊ ሕይወትን ዘሎ ሰብ ሰርሖ ፍልልያት ብምስትውዓል እዚ ዓይነት ከይዲ ኣብዚ እንነብረሉ ዘመንን ዘንጸባርቖ ሕይወት ክርስትና ክሳብ ክንደይ ንፍጥረት ሰብ ተስፋ ከቕርብ ወይ ድማ ክህብ ዝኽእል ምዃኑ ንምርዳእ ርእሰ-ትዕዝብትን ናይ ሕሊና ምርመራን ምፍጻም የድሊ። ኣብዚ እዋን ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን ዝራባሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ወንጌል ነዛ ሃገር ብሓፈሻኡ ንኤውሮጳ እንታይ ይብል ኣሎ ዝብል ሕቶ ምቕራብ የድሊ። ወንጌል ሰባት ነሕዋቶምን ኣሓቶምን ከገልግሉ ዘነቓቕሕ እስተንፍሶ ዝህብ ኢዩ። ቤተ ክርስትያን እቲ ጥንታውን ወትሩ ሓድሽን ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረጋገጸ ናይ ምድሓን ታሪኽ ከምእትእውጅን፣ ኣብቲ ናይ ጥንቲ ጥበብ ተመርኵይዛ እቲ መጻኢ ሕይወት ብተስፋ እተምልእን ኢያ፣ ኤውሮጳ ናይ ክርስትና ታሪኽ ጽን ክትብል እንከላ ናይ ገዛእ ርእሳ ታሪኽ እያ ጽን እትብልን እተስተውዕልን ኢሎም።

ፍትሕን ነጻነትን ማኅበራዊ ሓላፍነትን ዝብሉ ናይ ኤውሮጳ ታሪኽ ክርስትና ዘንጸባርቖም ሓሳባት ብናይ ባህሊ መዋቕራትን ብናይ ሕጊ ሥርዓታት ብምክልኻል ንመጻኢ ወለዶ ብምትሕልላፍ በዚ ዓይነት ቅዱስ ባህሊ ነቲ ሓድሽ ውለዶ ምሕናጻ የድሊ። ናይ ዝሓለፈ መንፈስ መሠረት ናይ መጻኢ ትምኒት ኢዩ። ስለዚ ክርስትያን ምእመናን ንዓለም ፈሪሖም ኣብ ገዛእ ርእሶም ተዓጽዮም ክነብሩ ዘይኮነስ እቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልዎን ዝተዓደልዎን ሓቂ ናይ ቅዱሳን ኣብነት ብምስዓብ ብምእማንን ብተኣማንነት ከካፍልዎ ተጸዎዖም ኢዮም ኢሎም።

ወንጌል ክልሲ ሓሳብ ወይ ድማ ስነ ሓሳብ ኣብቲ እናተቐያየረ ዝኸይድ ጭቡጥ ኅብረተሰብአዊ ፖለቲካ ውጥን ዝተሓጽረ ዘይኮነስ ነቲ ናይ ዓለም ምቅይያራት ደረት ሰገርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ንናይ ክብሪ ሰባት ሓድሽ ብርሃን ዝዅልዕ ኢዩ ቢሎም፣ እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ክርስትና ዝግበር ዘተ ኣቢያተ ክርስትያን ናብ ሓድነትን ውህደትን ከብጽሕ ተባሂሉ ዝግበር ጥራሕ ዘይኮነስ ምእንቲ ረብሓ ኤውሮጳን ዓለም አሚቱ ዝካየድ እውን ከምዝኾነ ምርዳእ የድሊ ኢሎም ዘቕረብዎ ዘረባ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.