2009-09-29 13:41:38

ሓዋርያዊ ኖልዎ መንበረ ጥበባት


ኣብ መንበረ ጥበባት ግብረ ኖልዎ ዝመርሑን ዘካይዱን ዓለማውያን ምእመናን ምሕናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ኣብ ፖርቱጋል ከተማ ኦፖርቶ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝሓቁፍ ናይ ኤውሮጳ RealAudioMP3 ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ መንበረ ጥበባት ግብረ ኖልዎ ዝሓሊ ድርገት ጉባኤ ከምዘመልከተ ተሓቢሩ።

ኣዚ ናይ ሃገራት ኤወሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉዳይ ግብረ ኖልው መንበረ ጥበባት ዝሓሊ ድረገት ሓላፍቲ ዘሳተፈ ኣኼባ ኣመልኪቶም ናይዚ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ሕብረት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኣባ ፈረንክ ዣንክ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ናይ መንበረ ጥበባት ግብረ ኖውሎ ዘገልግሉ ወለይንተናታት ዓለማውያን ምእመናን ከምቲ ኣብ ፖላንድን ጀርመንን ዝረአይ ዓይነት ምስንዳዋትን በቢ ዓመቱ ነዚ ጉዳይ ዝምልከቱ ኣኼባታትን ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት ዘብቕዕ መደብ ሕንጸት ምትብባዕ ከምዘድሊ እቲ ናይ ፖርቱጋል ኣኼባ ከምዝወሰን ሓቢሮም። ካህናት ወይ ድማ ገዳማውያን ዝምልከት ኣገልግሎት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብዚ ናይ መንበረ ጥበባት ግብረ ኖዎን ዓለማውያን ምእመናን ምስቶም ካህናትን ገዳማውያንን ብምትሕብባር ዘገልግሉ ምስንዳው ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ፣ ፍልጠት ንበይኑ ምልኣት ከምዘይብሉን ምሉእ መልሲ እውን ከምዘይኮነን፣ ስነ ምግባራው ኣድማስ እውን ኣድላዪ ምዃኑን፣ ኣቲ እናተስፋሕፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማውነት ምትእስሳር ፍቕርን ሕውነትን ግብረ ሠናይን ዘረጋገጽ መታን ክኸውን፣ ጽባቔ ክርስትና ዝምስክር ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመንን ኣብ መዳይ ግብረ ኖልዎ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.