2009-09-28 12:31:18

ብዓለ መስቀል 2002 ዓ.ም


ንባባት፡ ፍሊጲስዩስ 2፡6~11 ዘኁልቅ 21፡4~9፤ ዮውሓንስ 3፡13~17፣ መዝሙር፡ ዝንቱ ውእቱ መስቀል . . . . . .

መስቀል ሓደ ካብቲ ማእከል እምነትና እዩ። መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ እዩ። ኢየሱስ ብገዛእ ፍቓዱ ምእንታና ንርእሱ አብ መስቀል ሰዊዑ በዚ ኸአ እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ አምላኽ አርእዩና። ኣብ እምነት ክርስትናና መስቀል ህዝባዊ ብዓል ዝኾነሉ ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን እዩ። ትውፊት ከምዝብሎ እለና አደ ንጉስ ቍስጥንጥንዮስ ብ14 መስከረም 326 ዓ.ም. ንመስቀል ኢየሱስ ብተአምራት አብ ኢየሩሳሌም ንንግደት አብ ዝመጽአትሉ ግዜ ኩዕታ አካይዳ ዝረኸበትሉ ግዜ ምዃኑ ይንገር። አብቲ መስቀል ኢየሱስ ዝተረኽበሉ ብትእዛዝ ንግስቲ እለናን ንጉስ ቍስጥንጥንዮስን ቤተክርስትያን አብታ ክርስቶስ ዝተሰቕለላን ዝተቐብረላን ተሰሪሓ ። እታ ቤተክርስትያን ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት እያ ተመሪቓ አብውሽጣ ግማድ መስቀል ተቐሚቱ ነሩ ብ335 ዓ.ም. እቲ ብዓል ንክልተ መዓልቲ ይብዓል ነሩ ናይ እቲ ቤተክርስትያን ኩስሚ ዝተዋህበሉ ብ13 መስከረም። እቲ መስቀል ብ14 መስከረም ካብ ቤተክርስትያን ወጺኡ ኩሉ የኽብሮን የብዕሎን ነሩ። ብ627 ዓ.ም. አብ ግዜ ንጉስ ሄርቅሎጦስ፩ አብ ቁስጥንጥንያ ነጊሲ እንከሎ ፋርሳውያን ንከተማ ኢየሩሳሌም ስዒሮም ነቲ ዝዓበየ ክፋል መስቀል ካብቲ ቤተመቕደስ አውጺኦም። ነዚ ዝሰምዔ ንጉስ ተቆቲዑ ነቲ መስቀል ናብ ቦትኡ ክመልስ ቆሪጺ ተላዒሉ ንፋርሳውያን ወግእ አልዓለለሎም። ምኽንያቱ መስቀል ሓዲስ ጽላተ ኪዳን ናይ ሓዲስ ህዝበ እግዚአቢሔር እዩ ኢሉ ስለዝአመነ። ሄራቕሊጦስ ቅድሚ ካብ ቁስጥንጥንያ ምብጋሱ ጸሊም ካባ ተኸዲኑ ናይ ንስሓ ምልክት አብ ቤተክርስትያን አትዩ አብ ቅድሚ መንበረታቦት ተምበርኪኹ ሓይሊ ክህቦ ለሚኑ። ወግእ ምስተጀመረ ንጉስ ምስ ሰራዊቱ ተዓዊቱ፥ ሓደ ካብቲ ዝተሰማምዕዎ ኸአ ምምላስ መስቀል ከምታ ዝነበራ እዩ። ንጉሥ ናብ ቁስጥንጥንያ ምስ ተመልሰ ብህዝቢ ብዓጀበ ተቐቢሎሞ፥ ካብ ከተማ ወጺኦም ቆጽሊ አውልዕ ሒዞምን ከምኡ ሽግ ወሊዖም ተቐቢሎሞ። መስቀል ብዓቢ ዓወትን ክብርን ከአ ተዋሂብዎ።

ንጉሥ አብ ኢየሩሳሌም ባዕሉ ከይዱ ንአምላኽ ክብሪ ክህብ ወሲኑ። መስቀል ካብ ቤተመቕደስ ወጺኡ ድሕሪ 14 ዓመት ተመሊሱ። አብ ኢየሩሳሌም ንጉሥ ንመስቀል ባዕሉ ተሰኪሙ ክመልሶ ልብሲ ንግስነቱ ለቢሱ ምስ መጸ አብ አፍደገ ናብ ጎልጎልታ ምስ በጽሔ ቅድሚት ገጹ ክኸይድ አይከአለን ኩሉ ገሪምዎን ፈሪሑን እቲ ዝኸውን ዘሎ ክርድኦ አይከአለን። ብግዚኡ ዝነበረ ፓትርያርክ ዘካርያስ ዝተባህለ ኦንጉስ ብሓቂ እንርእዮ እንተ ድአ ኮይኑ እዚ ለቢስካዮ ዘሎኻ ምስቲ ዝተዋረደን ድኻ ኢየሱስ መስቀሉ ዝጾረ አይከይድን ወይ አይመስልን ኢዩ እናበለ አብቅድሚ መስቀል ክትቀውም ይሕትና ከዘድሊ ሕቢርዎ። ሽዑ ሄራቅሊጦስ ኩሉ ልብሰ ንግሥነቱ ቀንጢጡ ሳእኑ አውጺኡ ኩሉ ሽልማቱ ቀንጢጡ ናይ ድኻ ክዳን ለቢሱ አብቲ ጎልጎልታ ክአቱ ክኢሉ። ትውፊት ከምዝብሎ ሽዑ ብዙሕ ተኣምራታት ኮይኑ። ምዉት ሰብአይ ካብ ሙታን ተንሲኡ፥ አርባዕተ ልሙሳት ሓውዮም፥ ዓሰርተ ለምጻማት ነጺሖም፥ 15 ዕዉራት ሰብኡት ርእዮም፥ ብዙሓት ካብ አጋንንቲ ነጺሖም፥ ብዙሓት ሕሙማት ሓውዮም።

ካብዚ ንድሓር ብዙሓት ክርስትያን ፍሉይ ክብርን እምነትን አብ መስቀል ከሕድሩ ጀሚሮም ዕላዊ ምልክት ክርስትናን ድሕነትን ኮይኑ። ክርስትያን ፍሉይ መለልይኦም ኮይኑ። አብ ኩሉ አብ ቤተክርስትያን፥ አብ ገዝኦም፥ አብ ግንባሮም፥ አብ ክዳኖም አብ ኩል ሕይወቶም መስቀል መግለጺ እምነት ኮይኑ።

መስቀል አብ ታሪኽ ክርኤ እንከሎ ጽቡቕ ነገር አይኮነን አረማዊ ፍላስፋ ሺሸሮ ዝተባህለ ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ብ63 አብ ቅድሚ ባይቶ ቆይሙ ናይ መስቀል መሰረታዊ ሓሳብ ክንአልዮ አሎና ምኽንያቱ አብ መስቀል ንሰብ ምቕታል አረመናዊ እዩ ስለዚ ካብ አእምሮ፥ ልቢ ሮማዊ ክንአልዮ አሎና ኢሉ ይምጉት ነሩ። አብ መስቀል ንሰብ ምቕጻዕ ጸረ ምዕባሌ እዩ ኢሉ ይምጉት ነሩ እንተኾነ ድሕሪ 20 ዓመት ከምዚ ኢሉ ምስባኹ ንባዕሉ ሲቸሮ ብመስቀል መይቱ።

ድሕሪ 100 ዓመት ሓደ ናይ ሮማዊ ዘግነት ዘልኦ፥ ብዙሕ መልእኽትታት ዝጸሓፈ፥ ሰባኽይ ጳውሎስ ዝተባህለ ብዛዕባ መስቀል ክምዚ ኢሉ፥ “ጥበበኛ ደአ አበይ አሎ መምህር ሕጊኸ አበይ አሎ ኣምላኽዶ ንጥበብ ዓለም እዚአ ዕሽነት አይገበሮን እዩ። ሰባት ንአምላኽ ብጥበቦም ከይፈልጥዎ እግዚአብሔር ብጥበቡ ኸልከሎም። ነቶም ዚአምኑ ግና በቲ ኸም ዕሽነት ዚቝጸር ንሕና እንሰብኮ ወንጌል ከድኅኖም ደለየ። ከመይ አይሁድ ምልክት ይልምኑ፥ ግሪኻውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፥ ንሕና ግና ነቲ ንአይሁድ ዕንቅፋት፥ ነሕዛብ ከአ ዕሽነት ዝኾነ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና። ነቶም ጽዉዓት አይሁድ ኮኑ ግሪኻውያን ክርስቶስ ኃይሊ አምላኽ እዩ፥ ጥበብ ሰብ ይበልጽ፥ ድኻም ኣምላኽ ከአ ካብ ሓይሊ ሰብ ይብርትዕ” (1ቆሮ 1፡20~25)። ንችቸሮ መስቀል ንሮማዊ ዜጋ ናይ አረሜነት ናይ ጭካኔ፥ ንጳውሎስ ናይ ኢየሱስ ስቕለት ግን ምልክትን ሕመረት ተስፋናን እዩ። ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ፥ እቲ ዝለዓለ ፍቕሪ ክከዶ ዝኽእል፥ እዚ ፍቕሪ ንጳውሎስ ብ67ዓ.ም. ሕይወቱ ከምዝህብ ገርዎ። አብ ጥንታውያን መቓብር ክርስትያን ዝርከብ ጽሑፋት “ክብሪ ንአኻ ኦ ተስፋና ዝኾንካ መስቀል” ዝብል ንረክብ። አብ ጸሎታት ሃገርና አራራይ “መስቀል ገነት ከፈተልና ብምስቀሉ መድኃኒት ገበረልና ንአጋንንቲ ሰደደ ካብ መስቀሉ ወሪዱ ተበጀወልና ሰንበት ከአ ንዕረፍቲ ሰርዓልና” ይብል። መዝሙር ከአ መስቀል ብሓቂ ድንቂ እዩ አብ ብርቱዕ ነገር ሰናይ ንምግባር ብቐሊል መገዲ የጽንዓና መስቀል ሓጢአት ይምሕር አብ መስቀል ጸላእቲ ረድኤትን ኃይልን ጽንዓትን ድኅነትን ምዃኑ ንአምን መስቀል ኃይልናን ጸግዕናን እዩ” ዝብል ንዝምር። እዚ ሓጺር ጥርኑፍ መግለጺ እምነትና እዩ።

አብ ኦሪት ዘኁልቅ እስራኤላውያን በቲ ዘጎደልዎ እምነት፥ አብ ልዕሊ እግዚአብሔር ብዝገበርዎ ምጒርምራም እግዚአብሔር መርዛማት አትማን ሰዲድሎም። ንሙሴ ካብዚ ክድሕኖም ምስ ለመንዎ እግዚአብሔር ብባላ ገርካ ናይ አስራዚ ተምን ስራሕ እሞ ናብኡ ዝጠመተ ኹሉ ክሓዊ ምዃኑ ተነግሮ ኩሎም ከምኡ ዝገበሩ ኸአ ሓውዮም። ነዚ መሰረት ገሮም አብ ኩሉ ናይ አይሁድ አብያተ መቕደስ ናይ አስራዚ ተመን ንርኢ። ትሕዝቶኡ ናዕቢ ዘልዓለ ህዝቢ ብምልክት መስቀል ምሕረት አምላኽ ረኺቡ። ክምሓሩ ክልተ ነግር የድልዮም ነሩ እምነትን ተአዝዞን። ምሕረት ካብቲ ምንጪ ምቕጻዕቲ መጽኡ። እቲ ንውድቀት አዳምን ሔዋንን ምኽንያት ዝኾነ ተምን ሎሚ ብምልክት አብ መስቀል ናይ ምሕረት ምልክት ኮይኑ። መስቀል ቀያራይ ትርጉም ድኽመት ወድቀት ሰብ እዩ።

ኢየሱስ ኩሉ ናብኡ ዝአምን ዘበለ ሕይወት ዘለዓለም ክወርስ ምእንቲ አብ መስቀል መይቱ። እዚ ሕይወት ክመጽእ ዝኸአለ ኸአ ንኢየሱስ ሕይወቱ አብ መስቀል ክህብ ዝገበሮ ምልክት ፍቕሪ ሰማያዊ አብኡ ንነፍስወከፍና እዩ። አብ ድራር አብታ ምጨረሽታ ምስ ሓዋርያቱ ዝበልዓ ከምዝበሎም “እቲ ዝለዓለ ፍቕሪ ሰብ ከርእዮ ዝኽእል ሕይወቱ ምእንቲ አዕሩኽቱ ከሕልፍ እንከሎ እዩ”። አብ ናይ ሎሚ ወንገል ከአ “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምብአር ከይጠፍእሲ ኣምልኽ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም አፍቀራ” ይብል።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ፊሊጲስዩስ ናይ አምላኽ ውርደትን ናይ ርእሱ ምትሓት ይዛረብ። ንርእሱ አዋረድ። ኢየሱስ ወዲ አምላኽ ሰብ ዝኾነ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ምስ አቦን መንፈስ ቅዱስን ማዕረ አብ መለኮት ዝኾነ እዩ። እንተኾነ ንአና ከድሕን፥ ሕይወት ክህበና ነዚ ኹሉ ሓዲጉ ንርእሱ ኢሚንቲ ገሩ ናይ ባርያ መልክዕ ወሲዱ ደቂ አምላኽ ገሩና። ናትና ባሕርይ ወሲዱ ንሱ ከይአክል ናብቲ ዝተሓተ ኩነት ወሪዱ ነቲ ዝኸፍኤ ሞት እሞ ሞቱ አብ መስቀል ገበሮ። እዚ ኹሉ ዝኾነ ኸአ ንሕና ፍቕሪ ሰማያዊ አቦና ንነፍስወከፍና ምእንቲ ክንርዳእ እዩ። ንሱ ንርእሱ ስለ ዘዋረደን ዘትሓተን አብኡ ናብ ሰማይ ክብ አበሎ በዚ ኸአ ናይ ኢየሱስ ስም ካብ ኩሉ ልዕል አበሎ ኩሉ ብርኪ ዘበለ ኸአ ንአኡ ይሰግደሉን ክብሪን ስግደትን ይህቦ።

መስቀል አብ ኩሉ አዓለም ንኹልና ክርስትያን ፍሉይ ምስጢር ዘልኦ ምልክት ብአኡ አቢልና እምነትና እንገልጸሉን እዩ። አብ ባህሊ ክርስትናና መስቀል ናይ ድሕነት ዓወት ምልክት እዩ። ንዝለዓለ ፈተና ብምልክት መስቀል ክንብድሆ ንፍትን። ኢየሱስ “እቲ መስቀሉ ፀሩ ደድኅረይ ዘይስዕብ ንአይ አይበቅዕን እዩ። ንሕይወቱ ዚረኽባ ኬጥፍአ እዩ፥ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍአ ኸአ ኪረኽባ እዩ” (ማቴ 10፡38~39)። ብሞትካ ሞትና አጥፋእካ ብትንሣኤኻ ንሕይወትና ሓደስካዮ ዝብል ጸሎት ንኽብሪ መስቀልን ትርጉሙን ይገልጽ።(አብ ላቲንዊ ቅዳሴ)።

፩ ~አምላኽ ምልክት ፍቕሩ ብመስቀል ገሊጽዎ፥ ነቲ ብሮሚዊ ርድኢትን ባህልን መልክት ሕፍረት ጭካኔ ዝነበረ ምልክት ዓወትን ክብርን ተስፋን ገርዎ። ኩልና ነዚ ቅዱስ ምልክት ክነኽብሮ አብ ልብና አብ ባህልና አብ ኩሉ ምልክትና ክንገብሮ ናትና ክብርን መንነትን እዩ። ሕይወትና ንኽፉእ፥ ንሞት፥ ንውግእ፥ ንጭካኔ፥ . . . ቀይሩ እንተኸአለ ሽዑ መስቀል ከቢሩ አሎ ማለት እዩ።

፪ ~ መስቀል ንዝጸልኡና ክንምሕር ይሕግዘና። ኢየሱስ አብ መስቀል እሞ ቃንዛን ስቓይን ከቢድዎ እንከሎ ንጸላእቱ ምሕረት ሓቲቱ። አብ ጽንኩር ጭንቀት ፈተና እንከሎና ንምሕረት አምላኽ ክንዝክር። ሽዑ ምሒረ ክንብል ንኽእል። አብ ትሕቲ ጭካን/ከቢድ ኩነታት እንከሎኻ ምሕረት ምእዋጅ። ከም ሰብ ይኸብደናን እዩ እንተኾነ ነባሪ ሰላም አብ ምሕረት እዩ ዝርከብ። ዝምሕር ትርጉም መስቀል ዘስተማቐረ እዩ።

፫ ~ መስቀል አብ ዓለም ሞራላው ለውጢ ዘምጽኤ እዩ። ታሪኽ ሰብ ብኢየሱስ ሓዲስ ምዕራፍ ተጀሚርዎ። ንኽፉእ ብጽቡቕ ሰዓሮ፥ ንውግእ ብሰልም፥ ንዝጸፍዓካ ካልአይቲ ምዕጉርትኻ ሃቦ ዝብል ትምህርቲ መሰረታዊ ለውጢ አምጺኡ። ክርስቶስ መስቀል ዝተሽከመ ኩሉ ዘራእ ሰላም እዩ ይብለና መስቀል ዝሓደገ ጥራሕ እዩ ንዓለም ዝብጽብጻ። ዓለምና ነዚ ክትርዳእ ናትና ተኸተልቱ ግደ እዩ።

፬ ~ መስቀል ምስጢር እዩ። ዘይፍለጥ ማለት ዘይኮነ ጸጋ አምላኽ ዘውህብ ምልክት ድሕነት እዩ። ከምኡ ፍቕሪ፥ ምሕረት፥ ሕድገት፥ ተስፋ ይምንጩ። አብ መስቀል ክብሪ ትንሣኤ፥ አሎ። መስቀል ወሰን ዘይብሉ ናይ አምላኽ ፍቕርን የዋህነትን ይገልጽ።

፭ ~ መስቀል ካብ ርእስና ወጺእና ኲኖናን ክንርኢ ኩሉ ናይ ርእስና አጀንዳ፥ ሕይወትና፥ ኩሉ ብዘይ ሓደ ቅድመ ኩነት ክንጉዓዝ ከምዘሎና ይሕግዘና። ክርስቶስ መስቀል ምስ ጾረ ንቅድሚት ገጹ እዩ ተጓዒዙ። አብ ሞት ሕይወት ዘሪኡ እዚ ንኹልና ፍሉይ አብነት ኮይኑና። ንሕና እውን አብ ዕለታዊ ጉዕዞ ሕይወትና ንዝጓነፉና ፈተና ክኢልና ሕይወት ክንዘርእ፥ ነቲ ድነ ሞት ከሸንፎ ዝረባረብ ዘሎ ሕይወትና ብርሃን ትንሣኤ ርእዩ አብ መአዲ ምሉእ ተአማማንነት ከምዝነብር ምግባሩ።

መስቀል ጥዑም አይኮነነ እንተጾርካዮ ግን ሕይወት ይህብ። መስቀል ክንጸውር ባዕሉ ክርስቶስ ተላብዩና ብፍሉይ እቲ ክንጾሮ ግድነት ዝኾነነና መስቀል። ነፍስወከፍና ነናትና መስቀል አሎና ንሕና ጥራሕ ኢና ኸአ ክንጾሮ ዝድለ ሓጋዛይ የብሉን በይንኻ ምስ ጾርካዮ ፍረ አልኦ ካልእ እንተሕገዘና ዕሞቕጣዕሙ ክነስተማቕር ክኸብደና እዩ። መስቀልና ጸርና ክንክእል ነቲ መምህር መስቀል ዝኾነ መድሓኒና ሎሚ እውን ምሃረና ንበሎ።

በዚ ብሩኽ ዕለት ንኹልና ርሑስ መስቀል በሪቝና አብ ኩሉ ፍረ መስቀል አስተማቒርና እንኽእለሉ ጸጋ ይዓድለና። ርሑስ መስቀል ንኹልኹም።

ኣባ ንጉሠ ፍስሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.