2009-09-26 14:51:04

ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት


ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ጎደናታት ብኤውሮጳ ደረጃ ዕለት 29 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቫቲካን ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 24 ፍቕዲ 15 “…ኢየሱስ ባዕሉ ቀሪቡ ምሳታቶም ከደ…” ብዝብል ቃል ማለት RealAudioMP3 ርክብ ኢየሱስ ምስ መንገደይናታት ኤማኡስ ዘዘኻኽርን ኢየሱስ ኣብ መገዲ ኤማኡስ ዝፈጸሞ ኣገልግሉት ኣብነት ገይሩ ብዛዕባ እዚ ተልእኾ ክሳብ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ቀዳማይ ጉባኤኡ ክቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ።

እዚ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ዘዳለዎ ኤውሮጳዊ ኣኼባ ቅድም ክብል ብላቲን ኣሜሪካ ደረጃ ተመሳሳሊ ኣኼባ ከምዘካየደን ዝዝከር ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኣኼባ ኣመልኪቶም ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣጎስቲኖ ማርኬቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብዚ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ካብ 17 ሓገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ብጠቅላላ ልዕሊ 70 ዝግመቱ ኣብ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ጎደናታትን ሓዋርያዊ ሓልዮት ተዋፉሪን ዘገልግሉ ካህናትን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን ብፁዓን ጳጳሳት ክሳተፉ ምዃኖም ገሊጾም።

ነቶም ኣብ ጎደናታት ዝነብሩን ቤትን ቀዋሚ መንበሪ ሥፍራ ንዘይብሎም ዝወሃብ ሃዋርያዊ ሓልዮ ዝኽተሎ መምርሒ ንምልላይን ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝተፈላለዩ ሰብኣውን ማኅበራው ኤኮኖሚያውን መዳያትን ብተመሳሳሊሊ ሽግራትን ተደሪኾም ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ፋሕ ቢሎም ገዛእ ርእሶም ንምድጋፍ እውን ተገዲዶምን ወይ ድማ ብፍቶት ኣብ ዝተፈላለዩ ክብሪ ዝሓኩ ተግባራት ንዝርከቡ ዜጋታት ዝቐርብ ኣገልግሎት ዝምልከት ብምዃኑ፣ እዚ ዓይነት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘድልዮ ምቕርራባት ቀሊል ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፣ እዚ ሓዋርያዊ ሓልዮ ነቶም ኣብ ጉዕዞ ዝርከቡ ገያሾ እውን ዘጠቓልል ምዃኑ ሓቢሮም፣ ናይቲ ኣኼባ ማእከል ፍቕሪ ብሓቂ እተሰምየት ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣዋዲት መልእኽቲ ኢያ ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.