2009-09-24 13:40:26

ሶማሊያ


ኣብ ሶማሊያ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኃይሊ ኣኽረርቲ ምስልምናን ኣብዛ ሃገር ሰላምን ንምርግጋጽ ዝተዋፈረ ዓቃቢ ሰላም ኅብረት ኣፍሪካን ብርቱዕ ውግእ ከምእተኻየደን ልዕሊ 10 ዝግመቱ ንጹሓን ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘወረዶም RealAudioMP3 ናይ ዓይኒ መሰኻክር ይሕብሩ።

እዚ ሕጂ ዝርኤ ዘሎ ውግእ እቶም ዕጡቓት ኃይሊ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ኤሚሶም ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ናይ ኅብረት ኣፍሪቃ ዓቃቢ ሰላም ወተሃደራዊ ሠፈር ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ብምውራድ 22 ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ምስ ቀተሉ ስዒቡ ዝመጸ ምዃኑ ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.