2009-09-24 13:35:44

ርክብ ኣይሁድን ክርስትያንን


እቲ በቢ ዓመቱ ዕለት 17 ጥሪ ዝፍጸም መዐልቲ አስተንትኖ ኣይሁድን ክርስትያንን ኣብ ኢጣሊያ ዳግም ክፍጸም ምዃኑ ቅድሚ ትማሊ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት RealAudioMP3 ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ምስ ናይ ኢጣሊያ ናይ ኣይሁድ መንፈሳዊ መራሕቲ ዝሓቍፍ ማኅበር ሊቀ መንበር ራቢ ጁሰፐ ላራስን ምስ ናይ ሮማ ማኅበርሰብ ኣይሁድ መራሒ ራቢ ሪካርዶ ዲ ሰኚ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ዝተዘርግሔ መግለጺ የረጋገጽ።

እቲ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ ተስዓታት ዓመተ ምህረት ዝተጀመረን ካብ 2005 ዓ.ም. ንነጀው ድማ ዐሥርቱ ቃላት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝምራሕ ኮይኑ ዝፍጸም ዝነበረ ክሌኣዊ ናይ ሓባር መደብ እስተንትኖ ምዃኑ ክዝከር ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዝለዎም ናይ መንበረ ጴጥሮስ ሥልጣን እቲ ቅድሚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝነበረ ናይ ላቲን ሥርዓት ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዝድገም ንኣይሁድ ንጸሊ ዝብል ቃል ዳግም ኣብ ናይ ሊጡርጊያ ሥርዓት ክምለስ ገይሮም ቢላክ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ምኽንያት ተቛሪጹ ከምዝነበረ ዝዝከር ኢዩ።

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ውሳኔ ብይመስለኒ ዘይኮነ ብትኽክል ተገሊጹን ውሳኔኦም እንታይ ምዃኑ ብዝርዝር ብዝቐረበ መገልጺ መረዳእታ ተዋሂቡሉን ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፣ እነሆ እቲ ቅድሚ ትማሊ ዝተኻየደ ርክብ፣ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ከምዝተወገደ ዘርረጋገጽ ኢዩ። ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ ብዛዕባ እቲ ርክብ ኣመልኪቶም፣ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ኣይሁድ ሃይማኖት ዘለዋ አመለኻኽታ ብሕልፊ ድማ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዙሕ ዝተጸንዔ እኳ እንተኾነ፣ እቲ መሪሕ ኣመለኻኽታኣ ዘይቅየር ኢዩ፣ ቢሎም ኩሉ ጸረ ሴማዊነት ዘበለ ኣመለኻኽታን ተግባርን ከምእተውግዝን ሓቢሮም፣ ኣብ መንጎ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ኣይሁድን ዘሎ ርክብ ኣብ ምክብባርን ሕውነትን ዝጸንዔ ኢዩ ኢሎም።

ራቢ ጁዜፐ ላራስ፣ ኣይሁዳውያንን ካቶሊካውያንን ብሓደ ኣብ ዐሥርቱ ትእዛዛት ተመሥሪቶም ብሓደ ከስተንትኑ እንከለዉ፣ ነቲ ዝነብርሉ ማኅበርሰብ ዓብይ መንፈሳውነት ኢዮም ዝዕድልዎ፣ እዚ መንፈሳዊነት እዚ ድማ ስነ ምግባር ኮይኑ ዕለታዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝመርሕን ኣብ ማኅበርሰብ ሰላም ክህሉ ዝድርኽ ክቡር ዋጋ እውን ኢዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያንን ኣይሁዳውያንን ናይ ሓባር ዕለት ኣስተንትኖ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ንዝግበር ዘተ ዝከታተል ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸዞ ፓሊያ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኣይሁድን ሃይማኖታዊ ፍልልይ ከምዘሎ ብዘይምኽሓድ፣ ኣብ ዐሥርቱ ትእዛዛት ተሞርኪዞም ብሓባር ዝገብርዎ ኣስተንትኖ እቲ ኣብዚ ዓለም ናይ ተልእኾኦም ናይ ሓባር ረቛሒ ዝኾነ ክቡር ዋጋ ብሓባር ኮይኖም ክምስክርዎ ዘተባብዖም ኢዩ ዝበልዎ ዘኪሮም፣ ነዘን ክልተ ሃይማኖታት ዝፈላሊ ካብቲ ዘራኽብ ንታሕቲ ኢዩ ቢሎም፣ እዚ ድማ ብሓባር ናይ ተስፋ መልእኽቲ ከቕርባ ከምዝሕግዘን ገሊጾም።

ሃይማኖት ኣይሁድን ክርስትናን ክልተ ዝተፈላለያ ሃይማንታት እኳ እንተኾና ናይ ሓባር መንፈሳዊ ውርሻ ዘለወን ኢየን ኢሎም፣ ናይዘን ክልተ ሃይማኖታት ምርኻብ ዘንጸባርቖ ምሕዝነትን ሓቀይና ምቅርራብን ንእንነብረሉ ዓለም ዝያዳ ዕድልን መኽሰብን ኢዩ፣ እዚ ዓይነት ምትሕብባር ድማ እቲ ዝነበረ ጸረ ሴማዊነት ብምቅዋም ዳግም ከይክሰት ዘተባብዕን ሰብኣውነት ዘስፋሕፍሕ ኢዩ እንክብሉ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.