2009-09-22 13:09:45

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕማም ምርሳዕ


ትማሊ መበል 16 መዓልቲ ሕማም ምርሳዕ ብዓለም ለኸ ደረጃ ተዘኪሩ ውዒሉ። ኣብ ዓለም በዚ ዓይነት ሕማም’ዚ ካብ 24 ሚሊዮን ንላዕሊ ዝግመቱ ሰባት ዝተጥቕዑ ከምዝኾኑን፣ ኣብ ዓመት ድማ 5 ሚሊዮን ዝግመቱ RealAudioMP3 እዚ ሕማም ከምዝወርዶም ናይ ኢጣሊያ በዚ ሕማም ምርሳዕ ንዘተጥቕዑ ሰብኣውን ሕክምናውን ደገፍ ዘቅርብ ማኅበር ዝዘርግሖ መገልጺ የመልክት። ናይ’ዚ ማኅበር ሊቀ መንበር ማሪያ ግራዚያ ጆርዳኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ነዚ ዓይነት ሕማም ንምውጋድን በዚ ሕማም ንዝተጠቕዑ ሰባት ንምፍዋስን ከማኡ ድማ ማህሰይቲ ናይዚ ሕማም እዚ ንምጉዳል ዝተመሃዘ ምንም ዓይነት ፈውሲ የሎን፣ ምእንቲ’ዚ እዚ ዓይነ ሕማም ዘጓንፎ ሰብ ብኻልእ ናይ ስነ ኣዕምሮን መደንዘዝታትን ዝኣመሰሉ መድኃኒታት እናሃብካ ንግዚኡ ህዱእ ንግምባር እንተዘይኮይኑ ካብዚ ሕማም ንኽላቐቕ ዝሕግዝ ከምዘይኮነን ገሊጾም፣ እዝ ድማ ንቤተሰብ ሕሙማን ክስብ ክንደይ ዓቢ ሽግር ከምዝኾነ ንምግማቱ ኣየጸግምን ኢዩ። ምእንቲ’ዚ እዚ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ነዞም ሕሙማን ሰብኣውን ናይ ሕክምናን ደገፍ ኣብ ምሃብን ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት ክህቡ ዝደልዩ ሰባት ድማ ሕንጸት ዘቕርብ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.