2009-09-22 13:10:46

ብፁዓን ጳጳሳት ስዊዘርላንድ


ኣብ ስዊዘርላንድ ብሔራዊ ናይ ጸጋን ንስሓን ጸሎትን ዕለት ከምዝበዓለ ክንገር እንከሎ። እዚ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳታ ቤት ምኽሪ ዘነቓቕሖ መንፈሳዊ ዕለት ትማሊ ኣብ ፍሪቡርጎ ኣብ ኵለን ቁምስናታት ብዝዓረገ መሥዋዕተ RealAudioMP3 ቅዳሴ ከምእተዛዘመ ተሓቢሩ።

በታ ዕለት ምኽንያት ብፁዓን ጳጳጳሳት ስዊዘርላንድ ኣብ ዘተሓላለፍዎ ናይ ሓባር ሓዋርያዊ መልእኽቶም፣ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ዘሎ ስእነት ሰላምን ስእነት ቅሳነትን ጠቂሶምን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣፍሪካን እስያን ዝራኣዩ ናይ ሕድ ሕድ ውግእን ውጥረት ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ምስሕሓብን ስእነት ሥርዓት ዴሞክራስን ዘስዕቦ ሰብኣውን ንዋታውን ድኽነትን ዕንወትን ብምዝርዛር ብሕልፊ ድማ 2009 ዓ.ም.ፈ. ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዓመተ ዕርቂ ኮይኑ መሥርሕ ዕርቂ ዝነቓቓሓሉ ዓመት ክኸውን ከምዝተወሰነ አዘኻኺሮም፣ ዝገደደ ውግእ ኣብ መንጎ ኣባላት ሥድራ ቤትን ሰብ ሓዳርን ዘሎ ዘይምስምማዕ ምዃኑን ድማ ብጹዓን ጳጳሳት ስዊዘርላንድ ኣብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ጠቒሶም ሰላም ካብ ቤትና ክጅመር ኣለዎ ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.