2009-09-19 13:11:46

ኦርቶዶክሳዊ ሊቀ ጳጳሳት መንበረ ፓትሪያርክ ሞስኮ ምስ ር.ሊ.ጳ. ተራኺቦም


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ንግሆ ኣብ ሓዋርያዊ ኣዳራሽ ካተልጋንደልፎ ሊቀ ጳጳሳት ቮሎኮላማስክን ሊቀ መንበር ወጻኢ ጉዳያት ቤተ ክርስትያን መንበረ ፓትሪያርክ ሞስኮን ብፁዕ ኣቡነ ሂላሪዮን RealAudioMP3 ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ሓሳብ ንሓሳብ ከምዝተለዋወጡን ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተዘርግሔ ዜና ኣረጋጊፁ።

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሂላሪዮን ነዚ ሓዲሽ ሓላፍነት ካብ ዝሕዙ ንደሓር ሮማ ኪበጽሑ ከለዉ ንቀዳማይ ግዜኦም እንክኾን ትማሊ ምስቶም ዕድ

ዝገበሩሎም ሊቀ መንበር ሓድነት ክርስትያን ዘተባብዕ ቅዱስ ማኅበር ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐር እውን ተራኺቦም ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

ድሕሪ እዚ እተጠቕሰ ርክብ ሊቀ ጳጳሳት ሂላሪዮን ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ሞንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን መንበር ፓትሪያርክ ሞስኮን ዘሎ ርክብ እወታዊን ጽቡቕን ከምዝኾነ ኣረጋጊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.