2009-09-19 13:15:25

ናይ ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ክሌኣዊ ናይ ሓባር ድርገት


ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ዝግበር ዘተ ናብ ሓደ ስምምዕ ከብጽሕ ዝኽእል ናይ ክልተ መዓልቲ ሓናጺ ናይ ሓባር ዘተ ትማሊ ከምእተጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ኣፍሊጡ። RealAudioMP3 ናይ’ዚ ሎሚ ዝፍጸም ብናይ ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ክሌኣዊ ናይ ሓባር ድርገት ዝካየድ ዘሎ ዘተ መቐጸልታ ከምቲ ቅድም ክብል ካብ ዕለት 14 ካስብ 15 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዘይኮነስ ካብ ዕለት 28 ጥቅምቲ ክሳብ 29 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ክካይድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.