2009-09-17 09:41:17

ምብጻሕ ሊቀ ጳጳሳት ሂላርቶን ሞስኮ አብ ቫቲካን.


አብ ፓትርያርካት ሞስኮ ርክብ ወጻኢ ዋና ሐላፊ ሊቀ ጳጳሳት ሂላርቶን አብ ቅድስቲ መንበር ንሕድነት ክርስትያን ዝቆመ ማኅበር ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ሊቀ ጳጳሳ ብጹዕ ካርዲናል ቫልትገር ካስፐር ብዝገበርሎም ዕድመ መሠረት ቫቲካን ክበጽሑ ትማሊ ሮማ አትዮም።

አብ ቅድስቲ መንበር ንኀልዮ ሐድነት ክርስትያን ዝቆመ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ቤት መኽርን ፕትርኽና ሞስኮን ፡ አብ መስርሕ ሐድነት ቤተክርስትያን ብሓባር ከም ዝሰርሑ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ።

አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመለክቶ ፡ አብ ፕትርኽና ሞስኮ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዋና ሐላፊ ሊቀ ጳጳስ ሂልርዮን አብ ቫቲካን አብ ዝጸንሕሉ ግዜ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳፕሳት በነዲክቶስ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ ፡ ምስ ናይ ምብራቃዊት ቤተክርስትያን ማኅበር አውራ ሐላፊ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ለኦናርዶ ሳንድሪኒ ከምኡ ክአ አብ ቅድስቲ መንበር ምስ ናይ ባህላዊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ተጸዋዒ ምስ ብፁዕ አቡነ ጂኣንፍራንኮ ራቫሲ ተራኺቦም ርክብ ክልቲኣኤን አብያተክርስትያናትን ዓለም ለኸ ጉዳያትን ዘተኮረ ሐሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡ ኢዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.