2009-09-15 14:52:18

ዑደት መስቀል ትእምርቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት


እታ ነቲ ብናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ትእምርቲ ዝኾነት ዓባይ መስቀል ካብ ትማሊ ጀሚራ ነቲ 2011 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ RealAudioMP3 ካብ ዕለት 15 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም.ፈ. ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብወግዒ ንምንቕቓሕ ኣብ ማድሪድ መንፈሳዊ ዑደት ከምዝጀመረት ተሓቢሩ።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ማድሪድ ኣብ 2011 ዓ.ም.ፈ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ማድሪድ ንክኸውን ዝሃብዎ ውሳኔ ዘነቓቕሕ መፍነሳዊ መደብ ትማሊ ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶንዮ ማሪያ ሩኮ ቫረላ ኣብ ኣልሙዴና ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ብዝመርሕዎ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ሥነ ሥርዓት ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

ትማሊ ዕለት 14 ነሓሰ ነቲ ናይ መንሰያት ዓለም ሓቆፍ በዓል ንምቅርራብ ዝግበር መንፈሳዊ መደባት ንኽካይድ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ድማ ብናይ ላቲን ሥርዓት በዓለ መስቀል ዝብዕለሉ ዕለት ስለ ብምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ እዛ ኣብ 1984 ዓ.ም.ፈ. ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ንኽጅመር ብምንቕቓሕ ባሪኾም ምልክት ናይዚ መደብ ክትኸውን ዘብቅዕዋ ዓባይ መስቀል ከምዝኾነት ዝዝከር ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ መስቀል ተቸንኩሩ ምእንታና ዝመውት ዝነበረ ክርስቶስ እናጠመተት እንከላ ዘመልክት መንፍሳዊ ምስሊ ዘረክብዎ ምልክት እምነትን ከየቋረጸ በቢ ዓመቱ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ንኽካየደሉ ዝውሰነሉ ሃገር ዑደት ክገብር ከምዝጀመረ እውን ብጹዕ ካርዲናል ሩኦኮ ከምዝዘከሩ ተሓቢሩ። እታ ዕለት 6 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም.ፈ. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቫቲካን ንዝተረኽቡ መንእሰያት ምእመናን ዜጋት ስፐይን ዘረከብዋ መስቀል ትእምርቲ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት፣ ኣብ ዝተፈላለያ ቁስምናታት ማድሪድ ዑደት ከተካይድ ምዃና ሓቢሮም ኣለዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.