2009-09-12 12:46:52

ናይ ሕብራት መንግሥታት ክፍሊ ሓልዮ ሕጻናት


ዩኒሰፍ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ክፍሊ ሓልዮ ሕጻናት ኣብ 2008 ዓ.ም.ፈ. ናይ ሕጻናት ናይ ሞት መጠን ከምቀነሰን፣ እዚ ካብ 5 ዓመት ንታሕቲ ዘለዎ ሕጻናት ዘጋጥሞም ናይ ሞት ሓደጋ እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎ ክሕበር እንከሎ፣ RealAudioMP3 ብዝሒ እቶም ዝሞቱ 9 ሚሊዮን ከምዝኾነን እቲ ናይ ሞት መጠን ዝጎደለ እኳ እንተኾነ ሕጂ እውን እቲ ዘጋጥም ናይ ሞት ሓደጋ ዘሰክፍ ምዃኑ እቲ ናይ ኢይኒሰፍ መግለጺ የመልክት።

ኣብ 1990 ዓ.ም.ፈ ኣብ መዓልቲ 10 ሺሕ ሕጻናት ዝሞትሉ ዓመት ከምዝነበረን እዚ ናይ ሞት ሓደጋ እዚ ኣናተመሓየሸ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ መጠኑ እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎን፣ እቲ ኣብ ዝሓለፉ 19 ዓመታት ዝተራእየ ምምሕያሻት ዝምስክሮ ምዃኑ ድማ ናይ ኡይኒሰፍ ጨንፈር ኣብ ኢጣሊያ ዋና ኣመሓዳሪ ሮብርቶ ሳልቫን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ኣብተን ካብ 5 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ሕጻናት ብብዝሒ ዝሞትለን ሃገራት፣ ዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ብሕልፊ ድማ እተን ንናይ ሕጻናት ሓልዮ ዝዋፈራ ማኅበራትን ናይ ሕክምና ግብረ ሰናይ ማኅበራትን ብዘነቓቕሐኦ ናይ ደገፍን ሕንጸት መደብ ምኽንያት እት ናይ ሞት መጠን እናጎደለ ከምዝኸደ ገሊጾም፣ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝለዓለ መጠን ሞት ሕጻናት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ከምዝረኤን፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ናይጀሪያን ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎን ኣብ እስያ ድማ ኣብ ሕንዲ ምዃኑ ኣመልኪቶም ኣብዘን ሃገራት እቲ ሞት መጠን ሕጻናት ትሑት ንምግባርን ዓቢ ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ ኢሎም።

ኣብዚ መዳይ እዚ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እትህቦ ኣበርክቶ ዝነኣድ ምዃኑን ቤተ ክርስትያን ንሕዝብን ስድራ ቤትን ዘለዋ ሓልዮት፣ ኣብ ምኽባር ክብሪ ሕይወት ተኣሚና እትህቦ ናይ ደገፍን ሕንጸትን ኣገልግሎት ዝምስከር ሓቂ ኢዩ፣ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ማህበራት ኣብ ክንክን ሕይወትን ናይ ሕይወት ባህልን ዝህበኦ ሕንጸት ኣብ ናይ ሕጻናት ናይ ሞት መጠን ምጉዳል ዝለዓለ ተራ ኣለዎ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.