2009-09-12 13:17:28

መልእኽቲ ፍጻሜ ራማዳን ብብፁዕ ካርዲናል ቱራን ተመሐላሊፉ


አመንቲ ምስልምና ሃይማኖት ከካይድዎ ዝወርሑ ግዜ ጾም ራማዳን ከም ዝተፈጸመ ክዝከር ከሎ ፡ ፍጻሜ ራማዳን ተመርኲሶም አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ውስጠ ሃይማኖታት ጳጳሳዊ ቤት መኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ጂን ሉዊስ ቱራን ንአመንቲ ምስልምና መልእኽቲ ከም ዘተሐላለፉ ቅድስቲ መንበር ዘውጽኤቶ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

ብፁዕ ካርዲናል ጂን ቱራን ንአመንቲ ምስልምና ዘተሐላለፍዎ መልእኽቲ አመንቲ ክርስትያንን ምስልምናን ብሓባር ድኽነት ከጥፍኡ ብስም እግዚአብሔር አብ ልዕሊ ህዝቢ ዓመጽ ዝፍጽሙ አኽረርቲ ብሐባር ክገትኡ ከም ዘለዎም የመልክት።

አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ግዜ አብ መላእ ዓለም ብሚልዮን ዝቁጸሩ አህዛብ ብጥሜት ይሳቀዩ ከም ዘለዉ ጠቂሱ ክአ ናይ ሰዓብቲ ክልቲኡ እምነታት ድኽነት ዝግትአሉ ኩነታት ክደልዩ አብዚ ሰናይ ተግባር”ዚ ከተሐባበሩ ከም ዘተሐሳሰብ እዚ አብ ቫቲካን ናይ ውስጠ ሃይማኖታት ጳጳሳዊ ቤት መኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ የተሐሳስብ ።

ብፁዕ ካርዲናል ጂን ሉዊስ ቱራን ምግታእ ድኽነት ምግታእ አኽራርነት ከም ዝኾነ ብምምልካት ነፍሰሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ፡ ልምዓት ሐዲሽ ስም ሰላም ኢዩ ዝበልዎ ጠቂሶም ልምዓት ንድኽነት አወጊዱ ሰላም ከስዕብ ከም ዝኽእል ከም ዘመልክት እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

አብዚ አዝዮም ሃብታማትን ካብ ኢድ ናብ አፍ ጥራሕ ዝነብሩላን ድራር ዕለት ዘይብሎም ሰባት ዝነብሩላን ዓለም እዚአ ኩለን ሃይማኖታት ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ሰላም ክሕግዛን ተስፋ ክህባን ከም ዝግባእ ክአ እቲ መልእክቲ ከም ዝገለጸ ተፈሊጡ አሎ ።

እቲ ብፁዕ ካርዲናል ጂን ሉዊስ ቱራን ብምኽንያት ፍጻሜ ራማዳን ዘተሐላለፍዎ ም አልእኽቲ ፡ ነቲ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዘተሐላለፍዎ “ካሪታስ ኢን ቨሪታተ” ሐቂ ምርኩስ ዝገበረ ፍቅሪ ዝተሰየመ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ሐቀኛ ልምዓት ወይ ክአ ምዕባሌ ንፍጡር ኩሉ ዝሐቁፍ እንተዘይኮይኑ ልምዓት አሎ ክብሀል ከም ዘይክአል ዘመልክት ሐረግ ከም ዘዘኻኸረ እቲ መግለጺ አረዲኡ ።

እቲ መልእኽቲ ቀጺሉ ፡ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነዚ አብ ዓለም ዝርኤ ዘሎ ድኽነት ንሱ ዘስዕቦ ጥሜት፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝርአዩ ግጭታት ፡ ሰብ ዝምህዞን ተፈጥሮአዊን መቅስፍትታት ፍልሰተ አህዛብ ነዚ ኹሉ ሽግራት”ዚ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ብምትሕብባር ሰላማዊ ፍታሕ ክደልየሉ ሞራላዊ ሐላፍነት ከም ዘለዋ ትአምን ከም ዝብል ክአ እቲ መግለጺ አፍሊጡ ።

ተፈላለያ ሃይማኖታት ብሐባር አብ ዘካይድኦ ዘተ አብ ምጽውዋርን አብ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋን ዝተመርኮሰ ዓለም ለኻዊ ሰላም ዘንጸባርቅ ፍትህን ርትዕን ሰላምን ክርከብ ከይሰለከየ ዝጽዕር ክኸውን እቲ ብምኽንያት ፍጻሜ ራማዳን አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ውስጠ ሃይማኖታት ጳጳሳዊ ቤት መኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ጂን ሉዊስ ቱራን ንአመንቲ ምስልምና ዘተሐላለፍዎ መልእክቲ ከም ዘተሐሳስብ ክአ ተፈሊጡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.