2009-09-10 13:49:12

ጋቦን


ኣብ ጋቦን ንልዕሊ 42 ዓመት ዝመርሑን ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ርእሰ ብሔር ኦማር ቦንጎ ዝትክእ ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ወዲ’ዞም ነፍስሔር ኦማር ቦንጎ፣ ዓሊ ቤን ቦንጎ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፣ RealAudioMP3 እቲ ዕለት 30 ነሓሰ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ዘይግልጽን ምትላላት ዝተመልአ ኢዩ ኔሩ ዝብሉ ዜጋታት ጋቦን ኣብ ዘካየድዎ ሕዝባዊ ኣድማ 15 ሰባት ከምእተቐትሉን ነኢ ኣብ መርሕነት ዘሎ መንግሥቲ ዝቃወም ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ወኪል ኣባል ሕዝባዊ ባይቶ ፒየር ኣንድረ ኮምቢላ ገሊጾምን፣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሰላማዊ መፍትሒ እንተደኣ ዘይረኺቡ ናይ ዝተቐሉ ዜጋታት ቁጽሪ ክብ ክብል ዝከኣል ኢዩ ኢሎም። ነቲ ዝተኻየደ መረጻ ዘጻሪ ሓደ ዓለም ሓቆፍ ድርገት ክምዘዝ ከምዝሓተቱ ትሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.