2009-09-10 13:39:51

ጉዳይ ተመዛበልቲ ቻድ


መንግሥቲ ቻድ ብዘይ ድልየቶም ናብ ካልኦ ቦታ ንኽሰፍሩ ዘሳራጥዮም ዘሎ ኣብ ርእሰ ከተማ ንጃሜና ተቐማጦ ሰፈር ድኻታት፣ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ኢዩ እንክብሉ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ዓለም ሓቆፍ RealAudioMP3 ሓላዪ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሓቢሩ። እዚ እቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ቻድ ዝቕመጡ ድኻታት ቤቶም እናፍረስካ ናብ ካልእ ቦታ ንኽግዕዙ መንግሥቶም ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸሞ ዘሎ ጸቕጢ፣ ጸረ ሰብኣውን መሰልን ፍቓድን ከምዝኾነን እዚ ናይ መንግሥቲ ውሳኔ ንክቕበሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ድኻታት ዝፍጸም ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባር ካብ ጥሪ 2008 ዓ.ም.ፈ. ብውሳኔ ርእሰ ብሔር ኢድሪስ ደብይ ኢትኖ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝጀመረን እዚ ውሳኔ እዚ ክሳብ ሓምሌ 2009 ዓ.ም.ፈ. ከምዝቐጸለን ንቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም ዜጋታትን ናይ መንግሥቲ ወክልትን ከየማኸርካ ብስገዳድ ዝተፈጸመ ምዃኑ፣ ናይ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ጨንፈር ኣፍሪቃ ምኽትል ሊቀ መንበር ታዋንዳ ሆንዶራ ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘውጽኦ ምንጪ ዜና የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.