2009-09-10 13:43:44

ብሔራዊ ዕለት መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ፋጢማ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፍን ናይ ቫቲካን መደብር ቴሌቪዥን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳርን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ነቲ ኣብ ፖርቱጋል ዝካየድ ዘሎ ብሔራዊ መዓልቲ መራኸቢ ብዙኃን RealAudioMP3 ምኽንያት ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ምጽናዕቲ ብዘስምዕዎ ዘረባ ከምእተጀመረ ተሓቢሩ።

እዚ ኣብ ፖርቱጋል ብምኽንያት መዓልቲ መራኸቢ ብዙኃን ዝካይድ ዘሎ ብዛዕባ ጉዳይ መራኸቢ ብዙኃን ዝዝቲ ዓውደ መጽናዕቲ “ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜናን ማኅተምን ኣድላይነት ስለ ዘለዎ ድዩ ወይስ ምስ ተረኽበ ኢዩ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ምዃኑ ናይ ፖርቱጋል ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ቤት ጽሕፈት ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣባ አንቶኒዮ ረጎ ከምገለጹ ተሓቢሩ። ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ናይቲ ካብ ብዙሓ ዓመታት ናይ ዝተቐበልዎ ሓላፍነት ተመኵሮ ኣደጊፎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜናን ቤት ማኅተምን ናይ ቫቲካን ሬዲዮን ናይ ቴሌቪዥን ጣቢያን ቀንድን ፍሉይ ዕላማኡን ነቲ ጉባኤ ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ክሳብ ዕለት 11 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ. ዝካየድ ጉባኤ፣ ናይ ሊስቦና ፓትሪያርክ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ባህልን ጉዳይ ኣመሓዳርን ወሃቢ ቃልን ኣባ ኣጎስቲኖ ያርዲም ጎንካልቨስን ናይ ማሕበር ኦፑስ ደይ ናይ ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ኣመሓዳሪ ፔድሮ ጊል ዘረባ ከስምዑ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.