2009-09-10 17:48:17

ቅዱስ ዮሓንስ፤ርእሰ ዓመት 1 መስከረም 2001 ዓ.ም.ግ. 11 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ መልእኽቲ ብፁዕ አቡነ መንግሥተአብ ተስፋማርያም ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና አሥመራ


ክቡራትን ክቡራንን ሕዝበ እግዚኣብሔር። RealAudioMP3

ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብሮማ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ዝበሎም ኣነ’ውን ንኵልኹም “ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ክትህብትሙስ፦ እቲ ዝኣመንኩምዎ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኵሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኩም” (ሮማ 15።13) ብምባል ናይ ሓዲስ ዓመት ተስፋይን ሰላምታይን ቡራኬን ከካፍለኩም ደስ ይብለኒ፣ እዚ ዝሓለፈ ዓመት ከቢድ እዩ ነቢሩ፣ ቀውዕና ውሒዱ። ዝናም ደንጕዩ። እኽሊ ተሳኢኑ። እንተተረኽበ ከኣ ዕዳጋ ኣዝዩ ከቢሩ። ስለዝነበረ ብዙኃት ካባና። ”እዛ ግዜ እናከረረት ትኸይድ ኣላ። ሎምዘመንስ ብሓቂዶ ክንሰግራ ኢና” ኣብ እንብለሉ ደረጃ ከይበጻሕና ኣይተረፍናን፣ ብእንበልዖን ብእንሰትዮን ተጨኒቕና ኢና፣ እንተኾነ። እቲ ኃልዮቱ ዘይውዳእ። በረከቱ ዘይጎድል እግዚኣብሔር ኣቦና ኣይሓደገናን፣ እንሆ ከኣ ብጠለ ዝናሙ ተዓሪቑና። ምድሪ ገጻ መሊሳትልና ኣላ፣ ባዕሉ ደኣ ኣብ ኢድና ይኣክበልና እምበር እቲ ዝዘራእናዮ እውን በቝሉልና ኣሎ፣ ስለዚ ከምቲ መዝሙረ ድጓ ዚብሎ። ንሕና’ውን ኃቢርና። “ንዝጠመየ ሰብ ኪዕንግል፤ ክረምቲ ዜምጽእ፦ምሕረት ዜውርድ። ካብ ሰማይ ዝናም ዘፍስስ። ኣብ ምድሪ በረኸት ዚዕድል እዩ’ሞ ኣብ ምሉእ ዓለም እትነብሩ ኵልኹም፦ ነቲ ኣምላኽና ዚገበሮ ድኅነት እስከ ኣስተውዕሉ” (ጸሎተ ሰዓታት። ዕዝል ዘዘመነ ክረምት) ክንብል ንደፍር፣ እምበኣር ነዚ እንጅምሮ ዘሎና ሓዲስ ዓመት ብተስፋን ብምስጋናን ንቀበሎ፣ ቅድሚ ኵሉ ምስ ኣምላኽናን ብጻይናን ዘሎና ርክብ ነመዓራሪ፣ ኣብ ሕይወትና ንኣምላኽና እንህቦ ቦታን ግዜን ከመይ ዝበለ እዩ? ንጸሎት። ንኣምልኾ። እንህቦ ግዜ ክንደይ ይኸውን? ነቲ ዝፈጠረናን ወትሩ ዝሓልየልናን እግዚኣብሔር ገዲፍና ናብ ዝኸማና ፍጡራትን ካልኦት መናፍስትንዶ ነማዕዱ ኢና? ብዘይካቲ ርእሱ ንሕዝቡ ዝገለጸ ሓደ እግዚኣብሔር። ካልኦት ኣማልኽቲ ከይነምልኽ። እቲ ቀዳማይ “ብዘይካይ ካልእ ኣማልኽቲ ኣይሃልውኻ” ዚብል ትእዛዝ እግዚኣብሔር ኣነጺሩ ይኽልክለና እዩ፣ ነቲ ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ብጻይናኸ ኣኽብሮትን። ፍቕርን ምሕረትን ብዝመልኦ ኣቀራርባዶ ንርእዮን ንራኸቦን?፣ ወይስ ብቅንእን። ቅርሕንትን ሻርነትን ዓዊርና ንርከብ?

መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ብቀዳምነት ክንሰርዖ ዝግብኣና መንን እንታይን ምዃኑ ኣነጺሩ ይሕብረና እዩ፣ “ስለዚ ንሕይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትዩዎን። ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣሎኹ፦ ሕይወት ካብ መብልዕ። ሰብነት ከኣ ካብ ክዳንዶ ኣይበልጽን እዩ” (ማቴ 6።25)፤ ክብለና እንከሎ እምበኣር ቅድሚ ኵሉ ንእግዚኣብሔር እንተሓዝና ምስ እግዚኣብሔር እንተተጎዓዝና ከምዝሕሸና እዩ ዝምዕደና፣ “ንስኻትኩም ግና ቅድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፦ እዚ ኵሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ፣ እምበኣርከስ ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ፣ ንመዓልቲ መከራኣ ይኣኽላ እዩ” (ማቴ 6።33-34)፣ ብዙኅ ግዜ ነዚ ማዕዳ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቐሊሉ ኢና እንርስዖ፣ ንቃል ወንጌል ሰሚዕናን ተቐቢልናን እምበኣር ኣብዚ እንኣትዎ ዘሎና ዘመነ ማርቆስ ምስ ኣምላኽናን ምስ ብጻይናን ቅኑዕን ክርስትያናውን ርክብ ክንምሥርት ንጽዓር፣ ኣብ ዕለታዊ ርክብናን ናብራናን ካብ ኵሉ ዛሕሊ እምነትን። መንፈስ ጥንቆላን ምጥርጣርን። ተስፋ ቍርጸትን ተኣሪምና ነቲ ዝተቐበልናዮ ሓዲስ ትእዛዝ መድኃኒና ንከተል፣ “ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ ኣነውን ኣፍቂረኩም እየ፦ ኣብ ፍቕረይ ንበሩ…ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ንስኻትኩምውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዚ እዩ” (ዮሓ 15። 9.12) እናበለ ደጋጊሙ ትርጉም ምድራዊ ይኹን ዘለዓለማዊ ሕይወትና ብፍቕሪ ኣምላኽን ብፍቕሪ ብጻይን ክምራሕ ከምዘለዎ ይምህረና፣ ደጋጊሙ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ባልዕን ምምራትን ኣብ ዜበላሽዎ። ሰረቕቲ ኵዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ። ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ፣ እኳ ደኣ ባልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሽዎ። ሰረቕቲ ኵዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኣክቡ፣ ከመይ ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ” (ማቴ 6።19-21) ይብለና፣ ሓዲሽ ዓመት ከኣ ንዝሓለፈ ድኽመታት ኣወጊንና ብሓዲስ መንፈስ ትርጉምን ፍረን ዘለዎ ሰብኣውን ክርስትያናውን ሕይወት ክንነብር እዩ ዘተባብዓና እሞ። ሃየ ብክፉትን ቅኑዕን ልቢ። ንቀበሎ፣ እግዚኣብሔር ከኣ ዓመት ንዓመት ብሰላምን። ፍቕርን። እንነብረሉ ጸጋታት ክህበና እዩ፣ “ንክልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን፦ ከመይ ነቲ ሓደ ክጸልእ፦ ነቲ ሓደ ከፍቅር እዩ፣ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ኬኽብር ነቲ ሓደ ኬሕስር እዩ”(ማቴ 6።24)፣ ንሕና’ውን ጐይታና መን ምዃኑ ክንመርጽን፦ ሀብትና ድማ ኣበይ ከምእነቐምጦ ክንፈልጥ ኣድላዩ እዩ፣ እግዚኣብሔር’ውን በዚ ዓመት ቅዱስ ጳውሎስ እንዛዝመሉ፦ ዓመት ካህናት ድማ ዝጀመርናሉ ንነፍሲ ወከፍና “እንሆ እታ ምቺእቲ ሰዓት ሕጂ እያ፣ እንሆ እታ መዓልቲ ምድኃን ሕጂ እያ” (2ቆሮ6።2) ይብለና ኣሎ፣

ክቡራን ሕዝበ ክርስትያን። ኣብ መጨረስታ። በቲ ቤተክርስትያን ዝሃበትና “ዓመት ጸሎት ብካህናት። ጸሎት ምስ ካህናት ጸሎት ምእንቲ ካህናት” ዝብል ጭርሖ ተመሪሕና። ንኵልና ምእንቲ ክሕሸና፦ ንካህናትናን ምስ ካህናትናን ኮይንና ብልቢ ክንጽሊ ሓደራ እብለኩም፣ ኣብቲ ኣብ ወርኂ ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ፍሉይ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ምእንቲ ኣፍሪቃ’ውን ብስም ኵላትና ክሳተፍ ምዃነይ ኣፍልጠኩም፣ ኣርእስቲ እቲ ጉባኤ ቤተክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ዝብል እዩ፣ ንዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ምስራሕን ምምስካርን እቲ ዝዓበየ ተልእኮ ነፍስወከፍናን መላእ ቤተክርስትያንናን እዩ ኣሞ ብጸሎት ከተሰንዩና ኣዘኻኽረኩም፣ እምበኣር ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ሓዲሽ ዓምትን። በዓላት ሓንሰ መስቀለን ይግበረልና፣ ኣሜን፣





ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ

???? ???????? ???








All the contents on this site are copyrighted ©.