2009-09-10 17:48:46

.መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ፡ ፓትርያርካት ቑስጢንጢንያን ሩስያን


ሎሚ አብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ክፍለ ሀገር ፒዮመንተ አብ ቦሰ ዝተባህለ ቦታ ፡ ብገዳም ቦሰ ዝተሰናደወ ሀገራ

ሐቆፍ ኤኩመንያዊ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ጉባኤ ከም ዝተጀመረ ተፈሊጡ አሎ።

ናይ”ዚ ጉባኤ”ዚ ርእሰ ጉዳይ መንፈሳዊ ተጋድሎ ኦርቶዶክሳዊ ባህሊ ዝተሰየመ ከም ዝኾነ ካብቲ ገዳም ቦሰ ዘመጸ ዜና አረዲኡ ።

ወኪላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፡ ወኪላት ፕትርክናን ወኪላት ኦርቶዶክሳውያንን ምብራቃውያን አብያተክርስትያናትን ከምኡ ክአ ልዑካን ቤት መኽሪ አብያተክርስትያናትን አብዚ አብ ገዳም ቦሰ ዝተጀመረ ጉባኤ ይሳተፉ ከም ዘለዉ እዚ ካብ ገዳም ቦሰ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ አቢሎም ነዚ አብ ገዳም ቦሰ ዝተጀመረ ጉባኤ መልእኽቲ ከም ዘተሐላለፉ ክምልከት ከሎ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝልአኽዎ መልእክቲ ከም ዘመልክቶ ፡ እዚ ሐድነታውን ሐውነታውን ጉባኤ”ዚ ተጋድሎ ነፍሳት ንሕሊና መንፈስ አሐዲሱ ናብ መድኀኔ ዓለም ዝመርሕ ንሕዲሽ ትውልዲ ዝሀንጽ ክኸውን ዝትምነ ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ አሎ ፡

ናይ ቁስጢንጢንያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ባርቶሎመዮ ቀዳማይ ከምኡ ክአ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ክሪል ክአ ነቲ ጉባኤ መልእኽቲ ከም ዘተሐላለፉ ክምልከት ከሎ ፡ ናይ ቁስጢንጢንያ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ባርቶሎመዮ ፡ እዚ ኣአብ ገዳም ቦሰ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ፡ ሐድነታዊ ርክብ አብያተ ክርስትያናት ዘረድእ ክርስትያናዊ ተግባር ከም ዝኾነ አብ ዝልአኽዎ መልእክቲ ከም ዘም አልከቱ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ክሪል ክአ ምስጢር መንፈሳዊ ተጋድሎ ክሳዕ መወዳእታ ንክርስቶስ ምስዓብ ብኽርስቶስ ምስ ክርስቶስ ምጉዓዝ ማለት ከም ዝኾነ ነቲ ጉባኤ ዝልአኽዎ መልእኽቲ ከም ዘገንዘበ ተፈሊጡ አሎ

አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሐድነት ክርስትያን ጳጳሳዊ ማኅበር ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐር ብውገኖም ነዚ አብ ገዳም ቦሰ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ዝልአኽዎ መልእኽቲ ከም ዘመልክቶ ፡ ጉባኤ ቦሰ አብያተ ክርስትያናት ነንሕድሕደን ብዝበለጸ ክፋለጣን መንፈሳዊ ዘተ ከካይዳን ክማኸራን ከም ዝሕግዝ ጠቂሱ ፡ በዚ መንገዲ”ዚ አቢለን ክአ አብ ዓለም ብሐባርን እንኮአዊ ምስክር ክርስቶስ ክኸና ዝአመተ ጉባኤ ከም ዝኾነ ከም ዘመልክት ተነጊሩ።

ላዕላዋይ ሐለቃ ገዳም ቦሰ አበምኔት ኤንጾ ቢያንኪ ብዛዕባቲ አርእስቲ ጉባኤ መንፈሳዊ ተጋድሎ ክገልጹ ከለዉ ፡ መንፈሳዊ ተጋድሎ ማለት ወዲ ሰብ አብ ፈተና ከይወድቅ ካብ ክፍእ ሰውረኒ ብማለት ዘካይዶ ውሽጣውን መንፈሳውን ተጋድሎ ከም ዝኮነ አረዲኦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.