2009-09-08 13:27:47

ጸረ ጊላውነትን ጸረ ምንጻል ዜጋታትን


ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቦነሳኣይረስ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ኣርጀንቲና ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኾርኸ ማሪዮ ቤርጎሊዮ ዝሓለፈ ዕለት 4 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ. ናይ ሰራሕተይናታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ RealAudioMP3 ዝጸደቐሉ ዝኽረ ዓመት ምኽንያት ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስሞዎ ስብከት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ጎስጓስ ጸረ ጊላውነትን ምንጻል ዜጋታትን ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ ኢሎም፣ ነጻን ቅኑዕን ኅብረተሰብ ክረጋገጽ መታን ነዚ ዝዕንቅጽ ተግባር ክቃላዕን ክወገድን ናይ ኵሉ ስነ ምግባራዊ ኃላፍነት ምዃኑ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ኣብ ገዛእ ሃገሮም ትሑታት ዜጋታት ኮይኖም ተነጺሎም ዝነብሩን ኣብ ዘስካሕክሕ ማዕረ ሰብ ዘይኮነ ዓይነት ሕይወት ዝነብሩን ናይ ጊላውነትን ጭቆናን ኣደዳ ኮይኖም ዝነብሩ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጎድኖም ከምዘላን እቲ ወዲቖምሉ ዘለዉ ኢሰብኣዊ ናብራ ክውገድ ምእንታኦም ከምእትጣበቕን እረጋገጽ ከምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና የመልክት። ሰብኣዊ ኃይልኻ መንዚዑን ሰብኣዊ ክብርኻ ጊሂሱን ግዙእ ዝገብረካ ሥርዓት ማኅበርሰብን ፖለቲካን ኤኮኖምን ክውገድ ናይ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኃላፍነት ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.