Home Archivio
2009-09-08 13:29:02
ዓለም ሓቆፍ ሜላ ክንክን ማያት ውቅያኖስን ባሕርን
ኣብ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝጸወዖ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ሜላ ክንክን ጥዕና ማያት ውቅያኖስን ባሕርን ኣሞርኲዙ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
እዚ ካብ ኣውስትራሊያ ብራዚል ካናዳ ቺለ ክሮኣዚያ ፊንላንድ ጀርመን ጋና ዓባይ ብሪጣንያ ህንዲ ሲሸልስን ካብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ናይ መንግሥትን ዓበይት ኣካላትን ናይ ስን ፍጥረት ሊቃውንትን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ማሕበራት ማለት ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር፣ ዓለም ሓቆፍ ሊቃውንቲ ኩነታት ኣየር መጽናዕቲ ማኅበር፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ትምህርትን ሳይንስን ባህልን ማኅበር፣ ናይ ከባቢ ጉዳይ ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ወከሊቲ ዘሳትፍ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ፣ ብዛዕባ ጥዕና ማያት ውቂያኖስን ባሕርን፣ ሃብትታት ውቂያኖስን ባሕርን ኣብ ልዕሊ እዚ ሃብቲ ተፈጥሮ ብኢደ ሰብን ኮነ ብተፈጥሮን ዝወርድ ሓደጋታትን ጠንቅታቱን ሚዛኑን ዳህሲሱ ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ዘብቕዕ መምርሕታት ክሕንጸጽን ነዚ ዘፈጽም ናይ ፖሊቲካን ናይ ቁጠባን ውሳኔ ከጽድቕ እውን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
All the contents on this site are copyrighted ©.