2009-09-05 11:55:49

ኣብ ናይ ክርስትያን ሓድነት ጻዕሪ በዓል ዓቢ ግደ


ቅድሚ ምእቲ ዓመት ዕለት 4 መስከረም 1909 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሆላንድ ከተማ ቦቨንካርስፐል ዝተወልዱ ናይ ከተማ ኡትረኽት ሊቀ ጳጳሳን ናይ ሆላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ RealAudioMP3 ሊቀ መንበር ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ጆሃነስ ዊለብራንድስ መበል ሚእቲ ዓመት ዝርከ ልደቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ማኅበረ ክርስትያን ብዝተፈላለዩ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ባህላዊ መደባት ትማሊ ተኸቡሩ ከምዝወዓለ ተገሊጹ።

ብዛዕባ እዞም ኣብ’ቲ ናይ ክርስትያን ሓድነት ክርስቶሳዊ ፍጹም ድላይ ዓቢ ግደ ዘበርከቱን ነዚ ተልእኮ’ዚ ኣብ 1960 ዓ.ም.ፈ. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ንናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኮይኖም ተሓሪዮም ንዕስራ ዓመት ዝኣክል ከምዘገልገሉ ይንገር። ኣብዚ ተልእኮ እዚ ካብቶም ዓቢ ኣበርክቶ ዝሃቡ ተባሂሎም ካብ ዝጥቀሱ ብኹለን ኣቢያተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያንን ብሉጽ ዝበሃሉ ምዃኖም ይንገር። ናይ ተልእኾኦም መሪሕ ቃል °ናይ ፍቕሪ ተግባር ኣብ ሓቂ ይቑም፣ ብሓቂ ይመራሕ” ዝብል ከምዝነበረ እውን እንክንገር፣ እዚ መሪሕ ቃል’ዚ ምስ ኦርቶዶክስን ኣንግሊካንን ሉተራንን ኣቢያተ ክርስትያን ናብ ሓንደት ንኽብጻሕ ዝገበርዎ ርክባትን ዘተን ዘነቓቕሕዎ ሃይማንታውን ባህላውን ጉባኤታት ዝተመስከረ ምዃኑ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዋልተር ካስፐር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም። ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ ናይ ክርስትያን ሓድነት ከይዲ ዝምልከት ፍሉይ መደብ ዝነኣድ ኣበርክቶ ዝሃቡ ከምዝነበሩን ታሪኽ ማኅደር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ይምስክሮ ኢሎም።

ኣብ ምጅማር ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዛዕባ ሓድነት ማኅበረ ክርስትያን ብዙሕ ኣብ ዘይፍለጠሉ ዝነበረሉ እዋን፣ ብዛዕባኡ ክዛረቡን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነዚ ጉዳይ ኣልዒሎም መጽሓፍ ቅዱሳውን ቲዮሎጊያውን ኣተኵሮ ዘለዎ መጽናዕታዊ ሰነሰድ ከቕርቡ ከምእተራእዩን፣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ ኖስትራ አየታተ ዘመንና ኣብ እተሰምየ ውሳኔ ኣብ ዝንደፈሉን ዝረቐቐሉን እዋን፣ ናይቲ ኣብ እዋኑ ዝነበረ ብዛዕባ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ከምዝነበሩን፣ ብሕልፊ ድማ ምስ ኣይሁድ ሃይማኖት ኣብ ዝምልከት ክፍሊ ዓቢ ኣበርኮቶ ከምዝሃቡ፣ ብጹዕ ካርዲና ካስፐር ገሊጾም፣ ኣብ ዓንቀጸ ሃይማቶት ውሳኔ እቲ ብዛዕባ ቃለ እግዚኣብሔር ዝምልከት ውሳኔ ኣብ ፍጻሜ ንኽበጽሕ ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ ሕያው ምዃኑን ርእይቶኦም ብናይ ካልኣይ ቫቲካን ኣበው ዓቢ ተሰማዕነት ዝረኸበ ምዃኑን፣ ምስ ኵለን ኣሓት ኣቢያተ ክርስትያን ቀሪቦምን ተላልዮም ክዝትዩ ዝኸኣሉ በዓል ዓቕልን ጽቡቕ ድላይን ከምዝበበሩ ብዅሉ ከምዝምስከረሎም ድማ ብፁዕ ካርዲናክ ካስፐር ኣረጋጊጾም።

ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ዊለብራንድስ ኣብ 1989 ዓ.ም.ፈ. ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ክርስቶስ ካብ ጴጥሮስ ዝሓተቶ ፍቕሪ፣ ንሓደ ውሱን ማኅበርሰብን ንሓንቲ ቤተ ክርስትያን ወይ ድማ ንካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነስ፣ ንዅሉ ክርስትያን ማሕበርሰብ ዝምልከት ኢዩ። እዚ ናይ ፍቕሪ ሕቶ’ዚ ካብ ዘቕርቦ ቅድመ ኵነት እቲ ብቐዳማይ ደረጃ ዝቕመጥ ሓድነት ዝብል ኢዩ፣ ምግምማዕ ሓንቲ ሥድራ ቤት መሠረት ስቓይ ኢዩ። ስለዚህ በዚ መልክዕ’ዚ ነቲ ዝተወሃቦም ናይ ክርስትያን ሓድነት ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኃላፍነት ከምዝተረድእዎን፣ እግዚኣብሔር በቲ ዅሉ ዝሃቦም ኃላፍነት፣ ፍቕሩ ከምዝገለጸሎምን ነዚ ፍቕሪ’ዚ ብፍቕሪ ክምልስዎን ንቤተ ክርስትያኑን ገዛእ ርእሶም ከይበቐቑ ብናቱ ድጋፍ ተኣሚኖም ከገልግሉ ከምዝፈተኑ ኣመልኪቶም ከምዝነበሩ ይዝከር።








All the contents on this site are copyrighted ©.