2009-09-03 14:25:41

ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ኣብ ሬፑብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ


ዶብ ኣልቦ ናይ ሓኻይም ማኅበር ኣብ ረፑብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዘኸትሎ ሕማም ንምድራት ኣብ ከተማ ካርኖት ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ኣገልግሎት RealAudioMP3 ይህብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዚ ኣብዛ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ብዝምልከት ዶብ ኣልቦ ናይ ሓኻይም ማኅበር ምስ ናይ ረፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሚኒስትር ክንክን ጥዕና ብሓባር ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፣ ካብቶም በዚ ስእነት መግቢ ዝተጠቅዑ ውሽጢ 400 ሚእቲ ዝግመቱ ሕጻናት ካብ ሓደጋ ሞት ንምድሓን እዚ ዶብ ኣልቦ ናይ ሓኻይም ማኅበር ደገፍ ይቕርብ ከምዘሎ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚን ቁጠባን ኣብታ ሃገር ንዝርከባ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ማእከላት ኣባይቲ መሸጣን ንኽዕጸው ብምድራኹ ሕዝቢ ኣብ ስዕነት መግብን ስእነት ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ኣገልግሎት መውሃብን ወዲቑ ይርከብ ከምዘሎ ዶብ ኣልቦ ናይ ሓኻይም ማሕበር ከምዝገለጸ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.