2009-09-03 14:28:25

ምኽባርን ምክንኻንን ፍጥረትን


ናይ ኢጣልያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ኢጣሊያ በሉኖ ተዘኪሩ ብዝወዓለ ራብዓይ ብሔራዊ ዕለት ክንክን ፍጥረት ምኽንያት፣ ሕዝብታት ንምክንኻን ፍጥረት ክተግሁን ብሕልፊ ድማ RealAudioMP3 እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኮፐንሃገን ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ብዛዕባ ክንክን ናይ ተፈጥሮ ኣየርን ከባብን ዝዝቲ ዋዕላ ዝጠቐሰ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፣ ሰብ ብተግባራቱን ብማዕልታዊ ኣነባብራኡን፣ ተፈጥሮ ኣየርን ከባብን ዝብክል ከምዝኾነን፣ እቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ከይዲ ምዕባለ ንተፈጥሮን ፍጥረትን ኣብ ሓደጋ ዘእትው እናኾነ ይኸይድ ስለ ዘሎን እውን መንግሥታት ዓለም ነዚ ግምት ብምሃብ ኣብ ክንክን ፍጥረት ክተግሁን ከይዲ ምዕባለ ኣብ ምኽባር ፍጥረት ዝተመሥረተ ክኸውን መታን ክጽዕሩ ጻውዒት ከምዘቕረበ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ሰብ ኣመሓዳሪ ተፈጥሮ ደኣ እምበር ወናንን ባዓል ቤትን ከምዘይኮነ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምዝኽኻር እዚ ብፈጣሪ ዝተወሃቦ ኃላፍነትን ጸጋን ብናይ እግዚኣብሔር ጥበብን ድላይን ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ብምትሕስሳብ ኩሉ ኣብዚ ጸዋዕታ እዚ ክተግህ ሓደራ ከምዘበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.