2009-09-03 14:19:48

ምስጋናን ኣድናቖትን ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ንናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ RealAudioMP3 ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ብስልኪ ነዚ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ንሊቀ መንበርን ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ዘለዎም ኣድናቖት ብምግላጽ እዚ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዘካይዶ ተልእኾ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ማኅበራውን ሰብኣውን ከማኡ ድማ ኣብ ናይ ሕንጸት መዳያት ዘበርክቶ ዘሎ ኣገልግሎትን ዝጻወቶ ዘሎ ተራን ዝናኣድ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቤት ጽሕፈት ብሔራዊ መራኸቢ ብዙኃን ዝዘርገሖ መገልጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.