2009-09-01 15:59:23

ጥሜትን ድኽነትን ኣብ ሱዳን


ብፁዕ ኣቡነ ቸዛረ ማጾላሪ ጳጳስ ሩምበክ/ደቡብ ሱዳን ኣብ ሱዳን ዘሎ ደርቅን ጥሜትን ድኽነትን ተነቃፊ ሰላምን አመልኪቶም ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ብሚልዮናት ዝቍጸሩ ተፈናቀልቲ ብሰንኪ ውግእ ዝዘኽተሙ አደዳ ደርቅን ዓጸቦን ኰይኖም ከምዘለው ገሊጾም።

ብፁዕ ኣቡነ ማጾላሪ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዘሎ ህልው ኩነታት እንኪገልጹ፤ ‘ቅድሚ አርባዕተ ዓመት ናይ ሰላም ስምምዕ ተፈሪሙ ኮይኑ ግን እዚ ሰላም እዚ ብዘይመጠን ተአፋፊ እዩ ከመይ ገና ዘይተፈትሔ ብዙሕ ግጭታት አሎ፣ ብዓቢኡ ናይ ዳርፉር፣ ከምኡ እውን ኣብ ደቡብ ዳርፉር ክልተ ዞባታት ሰሜን ሱዳን ኣብ ብርቱዕ ሓደጋ ይርከባ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን እውን ናእሽቱ ግችታት ነቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ከየፍርሶ የፍርህ፣ ካብ ኩሉ ዘሰክፍ ነዚ ግጭታት እዚ አጽዋር ብምሃብን ካልእ ምክፍፋል እናፈጠረን ዘጓሃህር ኢድ ናይ ካልእ ምናልባት ሰሜን ሱዳን አለዎ፣ እዚ ከአ ነቲ ሕዝቢ ንምምቅቃል ዝዓለም ይመስል፣ እዚ ኩነታት እዚ ከአ ቀንዲ ዘራጊ ናይቲ ሰላም ብምዃን ድሮ ነቲ ብሓምለ 2009 ክግበር ዝነበሮ ምርጫ ናብ ሚያዝያ 2010 አሰጋጊርዎ አሎ’ እንክብሉ ስክፍታኦም ገሊጾም።

ቀጺሉ ንዝቀረበሎም፣ ኣብ’ዚ ወሳኒ ጊዜ እዚ ኣብያተ ክርስትያን እንታይ ግደ አለወን? ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፤ ‘ቤት ምኽሪ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ካርቱም ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 14 ነሐሰ ተጋቢኡ፣ ነዘን ክልተ ለበውታት አሕሊፉ፣ ብመጀመርያ ሕዝቢ ሱዳን ብፍላይ ክርስትያን ብመሠረት እምነትና ኣብ ሕይወትና ንእግዚአብሔር ቀዳምነት ብምሃብ ንእምነትና ክንእዘዝ፣ ካልአይ ሰበ ሥልጣን ኩሎም ነቲ ሕዝቢ ከፍቅርዎን ንሓባርዊ ጥቅሚ ክሠርሑን ጸዊዕና። ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ሱዳን ዘገልግላ ዘልዋ ዘይመንግሥታውያን ትካላት ከምኡ እውን ዞባውን አህጉራውን ማኅበረ ሰብ አገባብ አመራጽጻን ብዝምልከት ንሕዝቢ ሱዳን ንምንቃሕ ክሕግዙና ተላቢና አሎና።’ ምስ በሉ ቀጺላ፣ ድኽነት ሕዝቢ ጸገም ደቡብ ሱዳን ጥራሕ ድዩ ወይስ ምሉእ ሃገረ ሱዳን? ትብል ሕቶ ቀረበቶም።

ብፁዕ ኣቡነ ማጾላሪ ‘ብመሠረቱ እቲ ድኽነት ኣብ ደቡብ ሱዳን እዩ ዝነበረ፣ ሕጂ ግን ብዳርፉር አቢሉ ዳርጋ ናብ ኩሉ ሱዳን ይላባዕ አሎ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝናም የለን፣ ሕርሻ የለን ስለዚ ደርቅን ጥሜትን ድኽነትን ይድህኸና ስለዘሎ ማኅበረ ሰብ ዓለም ፍሉይ ቈላሕታ ገሩ ክሕግዘና እላቦ፣’ እንክብሉ ቃለ ምልልሶም ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.