2009-09-01 16:19:22

ኩነታት ስደተኛታት ዘሕዝን ከም ዝኾነ ብፁዕ አቡነ ማርተሊ ገሊጾም ፡


ትማሊ አብ ሊብያ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ዝተጀመረ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት አፍሪቃ አብ ሶማልን አብ ምዕራባዊ ሱዳን አብ ዳርፉርን ዘሎ ዘይርጉእ ፖሊቲካ፡ ዘስዓቦ ኤኮኖምያዊ ቅልውላውን ብዝምልከት ከም ዝዝተየ ካብ ትሪፖሊ ዝመጸ ዜና የመልክት።

በዚ ካብ ትሪፖሊ ዝመጸ ዜና መሠረት መራሕቲ ሀገራት አፍሪቃ ፡ ነቲ አብ ሶማል ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ጭቡጥ ሐገዝ ንምሀብን አብ ዳርፉር አብ ልዕሊቶም ሰላም ዘኽብሩ ንዘለዉ ወተሀደራት ክውሰኽዎም ዝክአለሉ ኩነታትን ይደልዩ አለዉ ።

መራሕቲ ሕብረት አፍሪቃ ብዛዕባተን አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ ዕልዋ መንግስታት ዝተፈጸመለን ሀገራት ጒነአን ማዳካስካርን ኩነታተን ዘተኮረ ዘተ ከም ዘካይዱን ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝኾነኑን ሐቢሩ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ አሎ ።

መራሕቲ ሕብረት አፍሪቃ ናይ ሊብያ መራሒ ሙዓመር ቃዛፊ ንመንግስቲ ንጉስ ኢድሪስ ዓልዮም አብ ሥልጣን ዝደየብሉ መበል አርባዓ ዝኽረ ዓመት ተሳተፍቲ ከም ዝኾኑን ክአ እዚ ካብ ትሪፖሊ ዝመጸ ዜና አመአልኪቱ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አብ ሊብያ ናይ ቫቲካን ሐዋርያዊ ወኪል ብፁዕ አቡነ ጂቫኒ ኢኖቸንጾ ማርቲነሊ አብ ሊብያ ናይ ሃይማኖት ነፃነት ከም ዘሎ አመልኪቶም ግን እቶም ካብ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ አቋሪጾም ንኢጣልያ ክአትዉ ዝፍትኑ እሞ ብጥሜትን ብጽምእን ብሕማምን አብ ባሕሪ ዝጥሕሉ ሰባት ዘሕዝን ከም ዝኾነ ጠቂሶም ካብ ባሕሪ ተገዲዶም ንድሕሪት ንሊብያ ዝምለሱ ስደተኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግር ዘሕዝን ከም ዝኾነ ገሊጾም አለዉ ።

ዝሐለፈ ወርሒ ዕስራ ነሐሰ ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም ዝተነግረሎም ንዕስራ መዓልቲ አብ ባሕሪ ድሕሪ ምጽናሕ ሰባዓን ሐሙሽተን ሰባት አብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጥሐሉን ሐሙሽተ ካብአቶም ደቡባዊ ኢጣልያ ከም ዝአተዉን ከም ዝተን አግረ ክፍል,አጥ ከሎ ዝሐልፈ ሳልሳቲ ስሳን ሸሞንተን ዜጋታት ሶማል ካብ ባሕሪ መዲተራንያን ብሐይሊ ንሊብያ ከም ዝተመልሱን ይፍለጥ።

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ማሕበራት ተራድኦ ኩነታት ስደተኛታት ዘተሐሳስብ ከም ዝኾነን ሰብአዊ ረዲኤት ክግበረሎምን አጽኒዔን ከም ዘተሐሳሰባን ይዝከር ።

መንግስታት ኢጣልያን ሊብያን ስደተኛታት ብዝምልከት ዝገበርኦ ስምምዕ ማለት ፡ መንግስቲ ሊብያ ካብ ሀገራ ንኢጣልያ ንዝፈልሱ ስደተኛታት ክትዓግት ኢጣልያ አብ ሊብያ መዋዕለ ንዋይ ክተፍስስ ዝተገብረ ስምምዕ ይውቀስ ከም ዘሎ ክጥቀስ ከሎ ፡ ሕብረት ኤውሮጳ አብ ፍልሰተ ስደተኛታት ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ክተሐባበር ዝቅረበ ሐሳብ ምርኩስ ብምግባር ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ ሕብረት ኤውሮጳ ስደተኛታት ዘተኮረ ዘተ ከካይድ መደብ ከም ዘለዎን ይንገር ።

አብ ኢጣልያ ናይ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ማኅበር ስደተኛታት መንግስቲ ኢጣልያ ስደተኛታት ዝምልከት ዝኽተሎ ፖሊሲ ከመሐይሽ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ስደተኛታት ከክብር ንስደተኛታት ሰብአዊን ፖሊቲካውን ዑቅባ ከህብ ከም ዘተሐሳሰበ ይፍለጥ ።

ቅድስቲ መንበር አብ ውሽጢ ኢጣልያ ዘለዉን ካብ ወጻኢ ዝመጹን ስደተኛታት ሰብአዊ ክብሮም ክሕለወሎም አብዚ ቅንያት”ዚ ከም ዘተሐሳሰበት ክዝከር ከሎ ነዚ መሠረታዊ ራእይ ቤተክርስትያን ዝተቃወመ ለጋ ዝተባህለ ሰልፊ ፖሊቲካ ኢጣልያ ብዛዕባ “ዚ ጉዳይ”ዚ ምስ ሰበ ሥልጣናት ቤተክርስትያን ተራኺቡ ክዝቲ ሓሳብ አቅሪቡ ከም ዘሎን ይፍለጥ።








All the contents on this site are copyrighted ©.