2009-09-01 15:57:49

ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ አመሪካ ተድ ከነዲ ቅድሚ ሙማቶም ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጸሐፍዋ መልእኽትን መልሱን


ዝሓለፈ 25 ነሐሰ 2009 ዓምፈ ካብ’ዚ ዓለም’ዚ ብሞት ዝተፈልዩ ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ሕቡራት መንግሥታት አመሪካ ተድ ከነዲ ቅድሚ ሞቶም ናይ ሕቡራት መንግሥታት አመሪካ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክራኸቡ ንቫቲካን ኣብ ዝመጹሉ ጊዜ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተጻሕፈት ስፍሕ ዝበለት ደብዳበ ኣማሊኦሞም ከምዝነበሩን ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ከምዘረከብዎምን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ብወገኖም ከምዝመለሱሎም ዝዝከር እዩ።

ንትሕዝቶ ናይ’ዘን ደብዳቤታት ብዝምልከት መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕን ሒደትን ተሪኸን። ተድ ከነዲ ኣብ ደብዳቤኦም፤ ‘ሰብ ከምዃነይ መጠን ፍጹም ከምዘይኮንኩ እፈልጥ ኮይኑ ግን ብእምነት ተሓጊዘ ጉዕዞ ሕይወተይ ከስተኻኽል ተቃሊሰ እየ’ ቢሎም ንዝጸሓፉሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ‘መጻኢ ዕለታት ሕይወትኩም ብእምነትን ብተስፋን ዝተሰነየ ክኸውን እጽልየልኩም’ ቢሎም መሊሾምሎም ነሮም። ከምዚ ቢሎም እናተመላለሱ እንከለው እዮም ኣባል ላዕላይ ባይቶ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ተድ ከነዲ ካብዚ ዓለም-ዚ ብሞት ዝተፈልዩ። ሓደ ዓቢይ መጽሔት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምንታይ ናይ ሓዘን መግለጺ ተለግራም ዘይለአኹ ክብል ወቂሱ። እዚ መጽሔት እዚ ዝዘንገዖ ነገር አሎ። ኣብ ምምሕዳር ቫቲካን ናይ ሓዘን መግለጺ ተለግራም ዝለአኽ ሓደ ፕረሲደንት ወይ ፕረሲደንት ነበር ወይ መራህ መንግሥቲ ክመውት ከሎ ጥራሕ እዩ።

እቲ ምልውዋጥ ደብዳቤታት ከስ ሰብአውን መንፈሳውን ርክብ ናይ ክልቲኦም ግላዊ ጉዳይ እዩ።

እታ ደብዳቤ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወጺኡ ክሕተም ዝደለያ በዓልቲ ቤቶም ንተድ ከነዲ ቪኪ እየን። ካብቲ ቈንጪሎም ዝሓተምዎ ክፋል ‘ክጽሕፈልኩም ከሎኹ ብዓሚቝ ትሕትና ተሰንየ ምእንታይ ክትጽልዩለይ እየ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፣ ቅድሚ ሓደ ዓመት ናይ ርእሲ መንሽሮ ተሓኪመ ነረ፣ ኮይኑ ግን ክመሓየሽ አይከአለን፣ እቲ ሕማም የጥቅዓኒ አሎ፣ ዕድመይ 77 ዓመት እዩ፣ ናብ’ቲ ንየዋይ ዓለም ንምስግጋር እሰናዶ አሎኹ፣ እግዚአብሔር ካብ ዘደንቅ ሥድራ ብምፍጣር ባሪኹኒ፣ ክልቲኦም ወለደይ ምናዳ አደይ ንእምነት ዓንዲ ማእከሎም ገሮም እዮም ዝሓለፉ፣ ጸጋ እምነት ኣብ ኣጸጋሚ ግዜ ጸግዒ ብምዃን ኣናቢሩኒ’ ድሕሪ ምባል ንከባቢ 50 ዓመታት ኣብ ኮንግረስ ናይ ሕቡራት መንግሥታት አሜሪካ ንዘሕለፍዎ ጊዜ ይዝክሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክምልሱ ከለው ብቀዳምነት ዘረጋገጹሎም መንፈሳዊ ቅርበቶም እዩ፣ ቅዱስነቶም ብዋሕዲ ጥዕና ተድ ከነዲ ብዙሕ ከምዝሻቀሉን ከምዝጽልዩን ድሕሪ ምግላጽ በቲ ብግዲኦም ተድ ከነዲ ምእንታኦምን ምእንቲ ተልእኮ ቤተ ክርስትያንን ከምዝጽልዩ ንዝገለጹሎም አመስጊኖም። ቅዱስንተኦም ኣብ መልእኽቶም ‘ንፍቃድ ኣምላኽ ብሓጐስ ክትቅበልዎ ጸጋኡ ክህበኩም ምእንታኹም እጽሊ አሎኹ፣ መድሓኒ ነቶም ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ብምእማን ሥቅያቱ ንዝካፈሉ ዘተፈዎም ምጽንናዑን ሰላሙን ክህበኩም እምነ’ እንክብሉ ሰብአውን መንፈሳውን ቅርበቶም ከምዝገለጹን ካብ’ዚ ንንዮ ብዝተፈለለየ ማዕከናት ዜና ዝግለጽ መሠረት ከምዘይብሉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ መግለጺ አብሪሁ።








All the contents on this site are copyrighted ©.