2009-09-01 16:26:35

ናይ ጃፓን ቀዳማይ ሚኒስተር ታሮ አሶ ካብ ሥልጣኖም ተሰናቢቶም


 አብ ጃፓን ህዝባዊ ምርጫ ከም ዝተኻየደ ክዝከር ከሎ ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ጃፓን ብብዝሒ ድምጺ ከም ዝተዓወተ ካብ ቶክዮ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።

በዚ ዜና”ዚ መሠረት ፡ ናይ ጃፓን ቀዳማይ ሚኒስተርን ናይ ሰልፊ ኪሚንቶ መራሕን ታሮ አሶ እቲ ንሶም ዝመርሕዎ ሰልፊ ብድምጺ ህዝቢ ከም ዝተሳዕረ አሚኖም ካብ ሥልጣኖም ወሪዶም ።

እቲ ብታሮ አሶ ዝምራሕ ሰልፊ ንዳርጋ ሐምሳን አርባዕተን ዓመታት ንጃፓን ዝመርሔ ሰልፊ ከም ዝኾነ እዚ ካብ ጃፓን ዝመጸ ዜና አዘኻኺሩ ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ጃፓን አብ ፓርላማ ዝበዝሔ መንበር ከም ዝህልዎ ክምልከት ከሎ ፡ እቲ ዓወት”ዚ ናይ ፖሊቲካ ታሪኻዊ ዓወት ከም ዝኾነ ተነጊሩ አሎ።ናይቲ አብ ሀገረ ጃፓን ዝተኻየደ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ዝበዝሕ ድምጺ ዝረኸበ ሰልፊ ዲሞክራሲ መራሒ ዩኪዮ ሃቶያማ ከም ዝገልጽዎ ፡ ንጃፓን ካብ ኤኮኖምያዊን ማኅበራውን ቅልውላው ከድኅና መደብ ሐንጺጹ አሎ።



እዚ አብ ጃፓን ዝበዝሔ ድምጺ ህዝቢ ከም ዝረኸበ ዝንገረሉ ዘሎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ምስ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራስን ምስ ህዝባዊ ሰልፊን ተላፊኑ መንግስቲ ከም ዘቅውም ዩኪዮ ሃያቶማ አብ ቶክዮ መግለጺ ከም ዝሀቡ ካብቲ ብ ኦታ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ።

አብ ጃፓን መሠረታዊ ፖሊቲካዊ ለውጢ ከም ዝተኻየደ አብታ ሀገር ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሀገራት መራኸቢ ብዙኅን ሐበሬታ ሂቦም አለዉ።

እቶም አባል ሰልፊ ሊበራል ዲሞክራሲን ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝነበሩ ጃንቺሮ ኮይዙሚ አብዚ ሐዲሽ ዝቀውም መንግስቲ ናይ ሚኒስተር ስልጣን ከም ዝህልዎም ዘመልከተ ዜና







All the contents on this site are copyrighted ©.