Home Archivio
2009-08-29 14:43:03
ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን
ዋና ጸሓፊ ዓለም ለኸ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን ንምሕራይ ኣባላት ናይዚ ቤት ምኽሪ ኣብ ጄነቭ ኣብ ዝርከብ ናይዚ ቤት ምኽሪ ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘካየዶ ኣኼብኡ ናይ ኖርወይ ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያን
መጋቢ ኦላቭ ፍይስከ ትቫይት ከምዝመረጸ ተሓቢሩ።
መጋቢ ኦላቭ ፍይስከ ትቫይት ካብ 2002 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ እዛ ዝተመረጹላ ዕለት ኣትሒዞም ናይዚ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስትያናት ቤት ምኽሪ ናይ ርክባት ጉዳይን ናይ ኖርወይ ቤተ ክርስትያን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ሓላፊ ኮይኖም ከምዘገልገሉ ይንገር።
ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ምርጫ እቶም ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልገሉን ተልእኾኦም ብምዝዛም ዳግማይ ንኽምረጹ ፈቓደይና ከምዘይኮኑ ዝገለጹ ቐሺ ሳሙኤል ኮቢያ ንሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሰላምታኦም ብምቕራብ ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ ናይ ኣቢያተ ክርስትያናት ናይ ሓባር ዘተ ብተባዕ ተስፋ ዝተሰነይ ከምዝኸውን ገሊጾም ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ተኸስቲቱ ዘሎ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ጠቒሶም እዚ ድማ መንእሰያት ተስፋ ከምዝኾኑን ዓቢ ኣተኩሮን ኩስኮሳን ክግበረሎምን ዘተባብዕ እወታዊ ኣጋጣሚ ምዃኑን ዘጋጥሙ ዓለም ለኻዊ ሽግራት ንምብዳህ ኣብቲ ዝገበር ናይ ዘተ ምዕባለ መንስአያት ቀንዲ ተዋሳእቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሎም። መንሰያት ዝዋስእሉ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ኣድማዒ ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን ኢዩ ኢሎም። ናይዚ ማኅበር ናይ ሓባር ናይ ዘተ ድርገት፣ ሓቀይና ዘተ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክነቓቓሕ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብርቱዕ ምንቕቓህሕ ከምዝገበረን ገሊጾም ነቶም ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሰናይ ናይ ኣገልግሎት ዘመን ተመዮም ኣብ ሓላፍነቶም ብጸሎት ከምዘሰንይዎምን ከምዘረጋገጹ ተሓቢሩ።
ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን መጋቢ ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝገበር ዘተ ንኽተባብዑን፣ ኣብዚ መዳይ ዓቢ አበርክቶ ክህቡን ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም፣ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ኣብ ናይ ቲዮልጊያውን ማሕበራዊ ስነ ምግባር ሕቶታት ዝምልከቱ ጉዳያት እትህቦ ዓቢ ኣበርክቶ ንኢዶም ኣብ መግኖ እዚ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽርን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያንን ዘሎ ርክብ ክብ ክብል ከይተሓለሉ ክዓዩ ምዃኖም ሓቢሮም፣ ምስ ቅዱስ ኣቦና ንኽራኸቡ ዓቢ ድላይን ሃረርታን ከምዘለዎምን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለምና ዘጋጥሙ ብድሆታትንን እቲ ናይ ሓባር መሠረት እምነት ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስኦም ክዝትዮ ዓቢ ሓንቀውታ ከምዘለዎም ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።
All the contents on this site are copyrighted ©.