2009-08-29 14:39:19

ናይ ዘመንና ባህሊ ብወንጌል ምሕዳስ


ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ ሩሲያ ርሑቕ ሰሜን ኣብ እትርከብ ከተማ እርካንገልስኪ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ክንገር እንከሎ፣ ኣብኡ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ RealAudioMP3 ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ዘተ ክድንፍዕ ኣተሓሳሲቦም እቲ ዘተ ብምክብባርን ብምቅብባልን ብምትሕብባርን ክስነ ኣለዎ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምያ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ከምዘመልከቶ ተፈሊጡ።

ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል ጋዜጣዊ መገልጺ ኣብ ዝሃብሉ እዋን፣ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ተልእኮን ኣብ ማሕበረሰብ ዘለዋ ተራን ኣብ ሩሲያ ናይ ዝህነጽ ዘይኦርቶዶስክ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ኣምልኮ ሥፍራን ቤተ ክርስትያናት ብዝምልከት እንታይ ይብሉ ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም መልሲ እንክህቡ፣ ሩሲያ ናጻን ኩሉ እምነቱ ናይ ምግላጽን ናይ ምንባርን መሰል ውሑስ ዝኾነላ ሃገር ኢያ ኢሎም።

ዘመንና ንእግዚኣብሔር ዘወገድን እዚ ናይዚ ዘመን ባህሊ ብዘይ እግዚኣብሔር ዝነብርን ናይ ሓጢኣትን ኣብ መንጎ ክፍኣትን ሰናይን ዘሎ ፍልልይን ናይ ክፍኣትን ሰናይን ትርጉም ዘጥፈኤን ከምዝኾነን እዚ ድማ ብዅለን ሃይማኖታት ዝገልጽ ናይ ሓባር ረቛሒ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ንናይ ሙሴ ሕጊ ተኣማንነትን ተኣዛዝነትን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሕብር ቅልውላው ባህሊ ኢዩ ኢሎም። እዚ ሓደኣዊ ናይ ኣቢያተ ክርስያንን ካልኦት ዘይ ክርስትያን ሃይማኖታትን ማለት ምስልምናን ኣይሁድን እውን ዝህበኦ ትንተና እዋናዊ ባህሊ’ዚ፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምትሕብባር ክረጋገጽ ዝነቓቕሕ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.