2009-08-29 14:35:32

ናይ ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ናይ ሓባር ድርገት


ናይ ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ናይ ሓባር ቀዋሚ ድርገት ብዝሓለፈ ረቡዕ ኣብቲ ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝምልከት ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ስምምዕ ተመሥሪቱ ናይ ሓባር ኣኼባ RealAudioMP3 ከምዘካየደ ተሓቢሩ።

ናይቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ጉባኤ ሰነድ ብዝምልከት፣ እቲ ድርገት ብሓባር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ጉባኤ ብልባዊ ምክብባር ዝተሰነየ ከምዝነበረን ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘኽኣለን እቲ ኣብ ናይ ኤኮኖምን እዚ ድማ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ሓዋርያዊ ኣገልግሎታ ብግቡእ ንኽተካይድ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ንብረታ ዋንነት ተኸቢሩን ሕጋዊ ውሕስነትን ግብርን ዝምልከቱ ሕቶታት መልሲ ንምሃብው ኣሚቱ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ጉባኤ ከምዝነበረ ተገሊጹ። እዚ ናይ ሓባር ድርገት ብዛዕባ ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ብዝምለት ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ስምምዕ ንምብጻዕ ካብ 1993 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዙ ናይ ሓባር ጉባኤ ከካይድ ከምዝጀመረ ክዝከር እንከሎ፣ እዚ ድማ ቅድስቲ መንበር ካብ ናይ ሃገረ እስራኤል ምሥረታ ኣትሒዙ ናይ ዝነበራ ንብረት ቅዱሳን ሥፍራን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ማህበራዊ ውሕስነት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ክረጋገጽ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ መሠረታዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ንኽብጻሕ ሃቒኖም ዘነቓቕሕዎ ናይ ሓባር ድርገት ምዃኑ ክንገር እንከሎ። ናይዚ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ጉባኤ መቐጸልታ ዕለት 15ን 16 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኢየሩሳሌም ክካየድ ምዃኑን ዕለት 10 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቫቲካን ናይዚ ድርገት ሓፈሻዊ ጉባኤ ክካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.