2009-08-29 14:37:38

ህዝብታት እስላም ኣብ ማህበርሰብ ኤውሮጳ”


ኣብ ስፐይን ከተማ ግራናዳ ናይ ኢየሱሳውያን ማኅበር ኣባላት ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ብሓባር ኣብ ኤውሮጳ ዝንበሩ ናይ እስላም ሃይማኖት ተኸተልቲ ብዝሒ ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ RealAudioMP3 ክስተት ማህበርሰብን ንምትንታንን እዚ ክስተት እዚ ዘቕርቦ ብድሆታቱን ዝግብኦ መልስታቱን ንምዝታይ ጉባኤ ዓውደ መጽናዒት የካይዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

“ህዝብታት እስላም ኣብ ማህበርሰብ ኤውሮጳ” ብዝብል ኣርእስቲ ተሰንዩ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ዓወደ መጽናዕቲ ካብ ትንተና ቁጽሪ ብዝሒ ናይ ሃያማኖት ምስልምና ሰዓብት ተበጊሱ ኣብ ይካየድ ከምዘሎን ኣብዚ ጉባኤ እዚ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ እውን ይሳተፉ ከምዘለዉ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ርክባት ክህሉን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማንታት ምእመናን ብሓባር ሰላማዊ ናብራ ከረጋገጹን ተደጋጊፎም ክዓይኑን ዘተባብዕ ዓወደ መጽናዕቲ ክኸውን እከሎ ካብ ጀርመንን ፈረሳን ስፐይንን ዝመጹ ምእመናን ናይ ምስልምና ሃይምኖትን ናይ ክርስትና ሃይማኖት ምእመናን ምስክርነት ከቕርቡ ምዃኖም ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.