2009-08-27 14:53:20

ዜና ዕረፍቲ ቴድ ከነድይ


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ኣባል ቤት ምኽሪ ሓጋጊ ሕጊ ተድ ከነድይ ብጠንቂ ሕማም ናይ ሓንጎል መንሽሮ ኣብ መበል 77 ዓመት ዕድሚኦም ከምዝዓረፉ ተገሊጹ። ናይ ቴድ ኬነድይ ሞት ዝተረድኡ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ RealAudioMP3 መሪር ሓዘን ከምእተሰምዖም እንክገልጹ፣ ነበር ርእሰ ብሔር ጆርጅ ቡሽ ብወገኖም ቴድ ኬነድይ ዓቢይን ኣርኣያን ኢዮም እንክብሉ ገሊጾሞም ኣለዉ።

ቴድ ኬነድይ ኣብ 1962 ዓ.ም.ፈ. ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ኣባል ቤት ምኽሪ ሓጋጊ ሕጊ ኮይኖም ተመሪጾምን ኣብ ሃገሮም ዓቢ ናይ ፖለቲካ ኣበርክቶ ዝሃቡ ኢዮም።

ባራክ ኦባማ ናይ’ዛ ሃገር ርእሰ ብሔር ኮይኖም ንኽሕረዩ ቴድ ከነድይ ዓቢ ናይ ፖለቲካን ሰብኣውን ጎስጓስ ዝገበሩ ከምዝኾኑ ክዝከር እንከሎ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዕለት 10 2009 ዓ.ም.ፈ. ባራክ ኦባማ ኣብ ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ ብጻሕ ኣብ ዝገበርሉ እዋን ካብ ቴድ ኬነድይ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተልእኸ ናይ ግሊ ደብዳቤ ከምዘብጽሑ ዝዝከር ኢዩ።

ብዛዕባ ቴድ ከነድይ ኣመልኪቶም ናይ ስነ ኣሜሪካ ሊቅ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዓለም ሓቆፍ መንበረ ጥበብ ስታፎርድ ናይ ስነ ዓለም ለኻዊ ርክባት መምህር ዝነበሩ ጁዜፐ ማማሬላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቴድ ኬነዲይ እቶም ብኣባላነት ሓጋጊ ሕጊ ቤት ምኽሪ ነዊሕ ዓመታት ዘቑጸሩን፣ ብብዙሓት ናይ ጸጋም ፖለቲካዊ ጽንሰ ሓሳብ ዘንጸባርቑ ገስጋሲ ፖለቲከይና ምዃኖም ዝንገረሎም፣ ኣብ 1968 ዓ.ም.ፈ. ናይ ኣሕዋቶም፣ ኣብ ዳላስ ዝተፈጸመ ናይ ጆን ኬነድይ መቕተልትን ኣብ ሎስ ኣንጀሎስ ዝተፈጸመ ናይ ሮበርት ከነዲይ መቕተልትን ምኽንያት ኣቦ ሥድራ ኬነድይ ከምዝኾኑን፣ ብብዙሓት ብሕልፊ ድማ ብርእሰ ብሔር ኦባማ ናይ ኬነድይ ሥድራ ፖለቲካዊ ኣገልግሎት ከም ኣብነት ዝጥቀስ ከምዝኾነን ዳርጋ ኩሎም ናይ ኣሜሪካ ዴሞክራቲክ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ወኪሎም ንርእሰ ብሄርነት ዝወዳደሩን ርእሰ ብሔር ኮይኖም ዝተመርጹ ኬነድይ ከብ ኣብነት ምግላጽ ዳርጋ ናይዚ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ፖሊቲካዊ ባህሊ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ጥዕና ጉዳይ ዝሓሊ ናይ ቤት ምኽሪ ሓጋጊ ሕጊ ድርገት ሊቀ መንበር ከምዝነበሩን ኦባማ ነቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ናይ ሓልዋ ጥዕና መሥርሕ ንኽሕደስ ዝሓንጸጽዎ መደብ ዝድግፉ ከምዝነበሩን ምናልባት ነቲ ናይ ኦባማ መደብ ሕዳሴ ናይ ሓለዋ ጥዕና መሥርሕ ትግባሬ ሽግር ከምጽእ ዝኽእል ኢዩ ኢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.