2009-08-27 14:58:04

ናይ ክርስትያን ሓድነት


ናይ ክርስትያን ሓደነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ናይ እምነት ጉዳይ ዝሓሊ ድርገትን ናይ ክርስትያን ሓድነት ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን ብሓባር ነቲ ኣብ 2010 ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን RealAudioMP3 ንኽረጋገጽ ዝካየድ ናይ ጸሎት ሰሙን መደብ ከምዘውጽኤ ተሓቢሩ።

እቲ ናይ ጸሎት ሰሙን ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 24 ፍቕዲ 48 “በዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም” ካብ ዝብል መሠረት “ተልእኮን ሓድነትን” ብዝብል ኣርእስቲ ተሰንዩ ዝካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ። ምእንቲ ሓደንት ርስትያን ዝብገር ጸሎት ንገዛእ ርእሱ ናይ ግብረ ተልእኮ ሕቶ ከምዝኾነን ክንገር እንከሎ፣ ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ መንጎ ክርስትያን ሓድነት ንኽህሉ ቀንዲ ዕላማን ጸሎተንን ድላየንን ክኸውን ከምዘለዎ ኣብቲ ዝተሓንጸጸ መደብ ተመልኪቱን እዚ ድማ ድላይ ክርስቶስ ከምዝኾነን፣ ክርስትያን ድላይ ክርስቶስ ዝፍጽም ካብ ኮነ ድማ እዚ ክርስቶስ ሃረር ዝበሎ ሓድነት ክርስትያን ክረጋገጽ፣ ወንጌል ብዝተገራጨዉ መገዲ ምስባኽ ንናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድላይ ምቅዋም ከምዝኾነ ኣብቲ ንሓድነት ክርስትያን ዝወጸ መደን ናይ ጸሎት ሰሙን ተመልኪቱ ከምዘሎ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.