2009-08-27 15:32:25

ቅዱስ ኣቦና መራሕቲ ዓለም ንድኻታት እናረድኡ ንተፈጥሮ ክከላኸሉ ጻውዒት ኣቅሪቦም


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ትማሊ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ናይ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣስተምህሮኦም፣ ‘ወዲ ሰብ ዋና ፍጥረት ኣይኮነን፣ ፍጹም ዋና ፍጥረት ኣምላኽ እዩ’ እንክብሉ ደቂ ሰባት ሕጊ ተፈጥሮ ብምኽታል ንጽጉማትን ድኻታትን እናሓገዙ ‘ነቲ እግዚአብሔር ክንሕልዎን ክነፍርየሉን ክንጥቀመሉን ሓደራ ዝተዋህበ ተፈጥሮ’ ዓለም ሓቆፍ መራሕቲ ክከናኸንዎ ሓደራ ብማለት ነቶም 2 ሺሕ ነጋዳያን ካብ ዓዲ ጀርመን ዝርከብዎም ካባቢ 5 ሺሕን 5 ሚእትን ዝኾነ ነጋዳያን፣ ንዕረፍቲ ሓጋይ ካብ ዝርከበሉ ከተማ ካስተል ጋንደልፎ ዝርከብ ሓዋርያዊ አደራሽ ምሂሮም።

ናይ ትማሊ አስተምህሮ ብጽበት ቦታ ማለት እቲ አድራሽ ንኩሎም ነጋድያን ብሓደ ጊዜ ከእንግድ ስለዘይተኻእለ ኣብ ክልተ ክፍሊ ተኸፊሉ እዩ ቀሪቡ፣ እቲ ቀዳማይ ክፋል ብአቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ካብ ሰዓት 10.30 ክሳብ ሰዓት 11.00 እንክኾን እቲ ካልአይ ድማ ካብ ሰዓት 11.30 ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ተገብረ።

አስተምህሮኦም ከስ እዚ ዚስዕብ ነበረ፦ ‘ዝኸበርኩም አኅዋትን ኣኃትን፣ ወርሒ ነሐሰ ኣብ ምውዳኡ ናይ ብዙሓት ዕረፍቲ ሓጋይ ይዛዘም፣ ኣብ ጊዜ ዕረፍቲ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ጊዜ ክነስተማቅሮ ነዚ ክቡር ህያብ ፍጥረት ንዝሃበና እግዚአብሔር ከመይ ገቢርና ከየመስገናዮ ክንሓልፍ ይከአል። ንከባቢና በኪሎም ተፈጥሮ ብምሉኡ ንሓደጋ ጥፍአት ዘቃልዑ ዕለት ዕለት ብዜና እንሰምዖም ናይ ከባቢ ብከላ ንኩሉ ብምርአይ፣ ኣብ ዕለታዊ መንባብሮና ምስ አከባቢና ዘሎና ርክብ ብምትኽኻል ንከባቢና ክንከላኸልን ነቲ ተዋሂቡና ዘሎ ዓቢ ህያብ ተፈጥሮ ዋጋ ብምሃብን ንተፈጥሮ ብዝግባእ ክንሕልዎ ሕፁፅ ጻውዒት የቅርበልና።

ቤተ ክርስትያን ሓለዋ ኣክባብን ተፈጥሮን ብዝምልከት ኣብ እትምህሮ ንመሬት ጥራይ ዘይኮነ ንማይን ንንፋስን ክንከላኸል ትጽውዕ፣ ከመይ እዚ ነገራት እዚ ክትንከፍ ከሎ ወዲ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ኣጥፊኡ ማለት እዩ።

መንጎ ወዲ ሰብን ፈጣርን ዘሎ ርክብ እንተላሕሊሑ ወዲ ሰብ ንፈጣሪ እንተረሲዑ ብተፈጥሮ ዝተዋህቡና ነገራት ንግላዊ ረብሓ ምእካብ የስዕብ፣ ወዲ ሰብ ባዕሉ ዝለዓለ ቦታ ብምሓዝ ትርጉም ህላዌ ብዝተኻእለካ መጠን ሃብቲ ንምኽዕባትን ዘይተአደነ ንብረት ንምእካብን ዝግበር ቅድድም ኮይኑ ይተርፍ። ስለዚ ዓለም ሓቆፍ ማኅበረ ሰብ ዓለምን መራሕቲ ሃገራትን ንሕዝቦም ፍትሓዊ ምልክታት እናሃቡ ንተፈጥሮ ካብ ጐዳእቲ ነገራት ክሕልው ክጽዕሩ አለዎም።

ተፈጥሮ ንዝሃበና ጸጋ ኣብ ጥቅምና ንምዉዓል ዝኽፈል ቍጠባውን ማሕበራውን ወጻኢታት ብግሉጽ መንገዲ ንህዝቢ ክግለጽ፣ ነዚ ዕዳ እዚ ካልእ ሕዝቢ ወይ ከአ ዝመጽእ ወለዶ ዘይኮነ እቲ ተጠቃሚ ባዕሉ ክኸፍሎ ከምዘለው፣ ዓለም ሓቆፍ መራሕቲ ኣብ ሕጊ ተመርኵሶም ነቶም ዝደኸዩን ዝደኸሙን እናሓገዙ ንተፈጥሮን ኣከባብን ክሕልውን ክኸላከሉን ግዴታኦም እዩ።

ዘሎ ድኽነትን ጥሜትን ዝዓበየ ዕንቅፋት ናይ ዘመንና ኮይኑ ስለዘሎ እዚ ንዝመናት ዝተኻድናሉ ዓለም ለኻዊ ሥርዓተ ቍጠባን ምዕባለን ከአ ለውጢ ከምጽእ ስለዘይከአለ ክቅየር ናይ ግድን እዩ።’ ድሕሪ ምባል ትምህርቶም ብናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ማኅሌት ዘፍጥረት ንምዝዛም “‘ኦ ልዑል ከአል ኩሉ ሕያዋይ ኣምላኽ፣ ልዕልናን ክብርን ምስጋናን ኩሉ ቡራኬን ናትካ እዩ፣ ኦ ጐይታ ብፍጥረትካ ወትሩ ዝተመስገንካ ኩን’ ብመንፈስ እዘን ቃላት እዚአን ክንጽልን ክንበርን ንጽዓር” እንክብሉ ንተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ብምምስጋንን ብሓዋርያዊ ቡራኬን ናይ ዕለቱ አስተምህሮ ፈጸሙ።










All the contents on this site are copyrighted ©.