2009-08-27 14:50:33

መግለጽየይ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኢዩ

 


ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ኣብ ባሕሪ ዝተኸስተ ናይ ሞት ሓደጋ ኣመልኪቶም፣ RealAudioMP3 ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ስደተይናታት ክኽበርን ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ሰብኣውን ሃይማኖታውን ጸቕጥታት ተደሪኾም ዓዶምን ሕዝቦን ሃገሮም ሓዲጎም ንዝስደዱ ሓለዋን ዑቕባን ክረኽቡ ኣለዎም እንክብሉ ዝሃብዎ መገልጺ፣ ብብዙሓት ናይ ኢጣሊያ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ገለ ገለ ሚኒስትራትን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን ዝተወሃቦ ተሪር ናይ ተቓውሞ መልሲ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “ብዛዕባ ስደተይናታት ኣመልኪተ ዝሃብክዎ መግለጽን መረጋግጾን ከምቲ ገለ ገለ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ተቓውሞኦም ክገልጹ እንከለዉ፣ ነቲ ናይተይ መገልጺ ናይ ቅድስቲ መንበር መረጋገጾ ኣይኮነን ከም ዝበልዎ ዘይኮነስ መግለጺየይ ናይ ቅድስቲ መንበር ኢዩ ኢሎም። ሚኒ. ካልደሮሊ ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ወኪለ ዝዛረብ እሞ ብዙሕ ጊዜ ሓሳበይን መረጋግጾይን ናይ ቤተ ክርስትያን ከምዘይኮነን ብቫቲካን ከምእተነቐፈ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ መገልጺ ዘሕዝን ሓቅነት ዘይብሉ ኢዩ ኢሎም፣ እቶም ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሞቱ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ንናይ ኵላትና ኅሊና ዓቢይ ሕቶ ኢዩም” ኢሎም።

“በቲ ዅሉ ዝከኣል ኣኽብሮትን ብፍቕሪ ሓቅን በቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘሎኒ ብዛዕባ ስደተይናታትን ገያሾም ሓዋርያዊ ሓልዮት ሓላፍነት መሠረት ብሽም ቅድስቲ መንበር መግለጺ ክህብ ትሑዝ ኢየ፣ ቅድሚ ሕጂ ብዝምልከተኒ ጉዳይ ዝሃብክዎ መገልጺ ኮነ መረጋገጾ ድማ ከምቲ ሚኒ. ካልደሮሊ ዝበልዎ ዘይኮነስ ብቕድስቲ መንበር ኣይተነቕፈን፣ ጌጋ ኢዩ ኣይተባህለን” ኢሎም። ናይቶም ስደተይንታት ችግር ክፍታሕን ኵሉ ብዘለዎ ዓቢይ ይኹን ንእሽተይ ሓላፍነት ክዋሳእ ከምዘለዎን፣ እቲ ናይ ሕብረተሰብ ሽግር ኮይኑ ዘሎ ስደት መፍትሒ ክረክብ ኣለዎ ከምዝበሉ ኣረዲኦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.