2009-08-25 14:20:43

ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን


ዋና ጸሓፊ ዓለም ለኸ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን ንምሕራይ ኣባላት ናይዚ ቤት ምኽሪ ኣብ ጄነቭ ኣብ ዝርከብ ናይዚ ቤት ምኽሪ ዋና ቤት ጽሕፈት ኣኼባ ከካይዱ ምዃኖም ተሓቢሩ። ናይዚ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ RealAudioMP3 ኮይኖም ንዘገልገሉን ተልእኾኦም ብምዝዛም ዳግማይ ንኽምረጹ ፈቓደይና ከምዘይኮኑ ንዝገለጹ ቐሺ ሳሙኤል ኮቢያ ዝትክኡ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ክሓርይ ዝእከብ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን፣ ካብቶም ሕጹያት ኮይኖም ዝቐረቡ ሽዱስሽተ መጋብያን ውሽጢ ካብ ዝተሓረዮም ናይ ደቡብ ኮሪያ ናይ ፕረስቢተሪያን ቤተ ክርስትያን መጋቢ ፓርክ ሴኦንግዎን ናይ ኖርወይ ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያን መጋቢ ኦላቭ ፍይስከ ትቫይት ክሓርይ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብጀካ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን 347 ናይ ፕሮተስታንትን ናይ ኣንግሊካንን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስያንን ሉተራንን ኣቢያተ ክርስትያን ብኣባላት ዝሓቑፍ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን ከምዝኾነ ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.