2009-08-25 14:17:49

ኮስታ ሪካ


ኮስታ ሪካ ኣብ ክፍሊ ዓለም ላቲን ኣሜሪካ ኣታ ናይ ሰላም ጉዳይ ዝከታተል ሚኒስትር ዘቖመት ቀዳመይቲ ሃገር ምዃና ተሓቢሩ። እዚ ናይ ኮስታ ሪካ ሕዝባዊ ባይቶ ነቲ ናይ ፍትሕን ሃብትን ጉዳይ ዝሓሊ ሚኒስትር RealAudioMP3 ክትክእ ዘቖሞ ሓድሽ ናይ ሰላም ጉዳይ ዝሓሊ ሚኒስትር ሰላም ሰላም ዘነቓቕሕን ዝኾነ ይዅን ውጥረትን ህልኽን ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ዘተ ባህሊ ክድንፍዕ ዝዓዪ ምዃኑ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ናይ ኮስታ ሪካ ሕዝባዊ ብይቶ ዘጽደቖ ሓድሽ ሕጊ ዘነቓቕሕ ወፈራ ዘካየዳሉን ቅድመ ንድፊ ካብ ዘቕረቡ ኣባል ሕዝባዊ ባይቶ ኣና ሄለና ቾኮን ናይ ሰላም ባህሊ ክስፋሕፋሕን ሕዝቢ ኣብ ናይ ሰላም ባህሊ ክህነጽን ክኣምንን ዝተፈላለዩ ናይ ዘተ ባህሊ ዘነቓቕሕ ናይ ሰላም ጉዳይ ዝሓሊ ሚኒስትር ኣገዳሲ ኢዩ ከምዝበላ እቲ ናይ ዜና ምንጪ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.