2009-08-25 14:18:59

ኣይቨሪ ኮስት


ኣብ ኣይቨርይ ኮስት ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ከትማ ያሙሱክሮ ኣብ ዝርከብ ባሲሊካ ንሥግተ ሰማያት እኖና ድንግል ማርያም፣ ንሰለስተ ካህናት ኣብ ናይ ጵጵስና ማዕርግ ኣብ ዝተወሃበሉ ናይ ሊጡርጊያ ሥነ ሥርዓት በሸሓት ዝቑጸር ሕዝቢ RealAudioMP3 ከምእተሳተፈ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ኣይቨርይ ኮስት ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪል ብፁዕ ኣቡነ አምብሮሰ ማድዛን ካልኦት 18 ናይ ኣይቨርይ ኮስት ብፁዓን ጳጳሳት ተሰንዮም ናይ ጵጵስና ምዕርግ ዝሃቡ ብፁዕ ካርዲናል ቤርናርድ ኣግሬ ክኾኑ እንከለዉ። እቶም ሓደሽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማርሰሊን ያኦ ኩኣዲዮ ጳጳስ ናይ ሰበኻ ያሙኩክሮ፣ ብፁዕ ኣቡነ ቦኒፋሰ ዚሪ ናይ ኣቤንጉሩ፣ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ኮይነ ድማ ናይ ሰበኻ ኦዴነ ጳጳሳት ኮይኑም ከምእተሾሙ ተገሊጹ።

ኣብቲ ሥርዓት ቅዳሴ 200 ካይናት ከምእተሳተፉን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ናይ ጵጵስና ማዕርግ ዝፈቅድ ውሳኔኦም ዝሰፈረሉ ብላቲንን ፈረንሳን ቋንቋ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ኣብቲ ናይ ቅዳሴ ሥነ ሥርዓት ከምእተነበን ክንገር እንከሎ ኣብቲ ሥርዓት ቅዳሴ ናይ ኣይቨርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ላውረንት ግባግቦ ቀዳማይ ሚኒ. ጉይላውመ ሶሮም ክልኣት ሚስትራንትን ሰበ ሥልጣናትን እውን ከምእተሳተፉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.