2009-08-25 14:16:48

ናይ ፐሩ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ናይ ፐሩ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከካይዶ ዝቐነየ መበል 94 ሓፈሻዊ መደበይና ጉባኤኡ ኣብ ዘዛዘመሉ ዕለት፣ ኣብ ናይ ሃገሩ ከባቢ ኣማዞን ሰላም ክረጋገጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ተሓቢሩ። እቲ ናይ ፐሩ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ RealAudioMP3 ጉባኤ፣ ብዛዕባ ሃገሩ ብዑምቀት ከምዝዘተየን እቲ ዘሎ ማኅበራዊ ጉዳይ ብዑምቀት ብምድህሳስ ከምዝተዘራረበሉን ኣብ ባጉኣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ን30 ሰባት ጠንቂ ሞት ዝኾነ ኣብ መንጎ ቦኽሪ ተወለድትን ሓይሊ ጸጥታን ተኸሲቱ ዝነበረ ዕግርግር ብምዝካር ነቲ ዓመጽ ኮኒኖም፣ ኣብ ጎድንቲ እቶም ዝተጎድኡ ከምዝኾኑን እዚ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝተፈጥረ ሁከት ዘሕዝን ከምዝኾነን፣ ነቲ ዝተፈጥረ ሁከት ዘበጎሶ ጉዳይ ክጻረ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ፔሩ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ብምትሕስሳብ፣ ብሔራዊ ዕርቅን ናይ ሕድ ሕድ ምክብባር ክነግሥ ድማ ሓደራ ከምዝበለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ፐሩ ተኸሲቱ ዝነበረ ሁከት መንቀሊኡ ብምልላይ ሰላማዊ መፍትሔ መታን ክረክብ፣ ኣብ ፍትሒ ዝተመሥረተ ዘተ ክህሉ ዝግበር ዘሎ ተበግሶ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ፔሩ ንኢዱ፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ንናይ ኣሕዛብ ምዕባለን ኣብ ዕለታዊ ናብራን ድኻምን እቲ ነቕ ዘይብል ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከይተፈለየና ብርታዔና ኮይኑ ከምዝመርሓናን ናይ ሓባር ጥቕሚ መታን ክረጋገጽን ኵሉ ናብዚ ሓባራዊ ጉዳይ ከትኩር ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከምዝጽውዓናን የነቓቕሓና ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም ሕዝቢ ሕውነቱ ከበርትዕን ብሕልፊ ድማ ንድኻታትን ጽጉማትን ምሉእ ምትሕብባር ክግበር ከምዘተሓሳሰቡ ተሓቢሩ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.