2009-08-25 14:15:43

ናይ ኣቀማምጣ መሬት ፖሊቲካ


ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ኣብ 1989 ዓ.ም.ፈ. ዝተፈጥረ ፖሊቲካዊ ነውጺ ስዒቡ ዝተፈጥረ ናይ ኣቀማምጣ መሬት ፖለቲካ ድሕሪ 20 ዓመት እንታይ ከምዝመስል ናይ ኢጣሊያ ኮሬረ ደላ ሴራ ተባሂሉ ናይ ዝጽዋዕ ዕለታዊ ጋዜጣ ልኡኽ ጋዘጠይና RealAudioMP3 ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብዙሓት ሓገራት ምብራቕ ኤውሮጳ፣ ፖላንድ ሃንጋርይ ኡክራይን ካብ ነበር ሶቬየት ሕብረት ተፈለየን ነጻነተን ዝኣወጃሉ ዕለት ኣብ ዝዝክራሉ እዋን ከምዘለና ሓቢሮም፣ ካብ መሪሕነት መንግሥቲ ጎርባቾቭ ኣብ ነበር ሶቪየት ኅብረት ንነጀው፣ ካብ ናይ ዴስነት ሥርዓት መንግሥቲ ነበር ሶቪየት ኅብረት ናጻ ኮይነን ፖሊቲካዊ፣ ማህበራዊ፣ ባህላውን ናይ ኣቀማምጣ መሬት ፖለቲካ ልኡላውነተን ከምዘረጋገጻን፣ 1989 ዓ.ም.ፈ. ጎርባቾቭ ነቲ እናወደቐ ዝኸይድ ዝነበረ ሥርዓት ዴስነት ንምዕቃብ ብምስትውዓል ነቲ ሥርዓት ንምቕያር ዝሓቀነ ፖለቲካዊ ንድፎም ዝፈሸለሉን፣ እቲ ድላይ ብሔራዊ ልኡላውነትን ነጻነትን ዝተባራበረሉን ዓመት ከምዝነበረ እውን ተንቲኖም፣ እዚ ካብ ሥርዓት ዴስነት ናብ ሥርዓት ርእሰ ማልነት ዝተርኣየ ቅጽበታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ፣ ኣብ ናይ ፖለቲካ ታሪኽ ሓድሽ ምዕራፍ ብምዃኑ ድማ ኣብቲ ከባቢ ምስራቕ ኤውሮጳ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ምርግጋእ ቀልጢፉ ኣየስዓበን፣ ስለዚ ኣብ ምሥራቕ ሃገራት ኤውሮጳ እቲ ምዕራባውነት ከም ኣብነት ተገይሩን ሰናይ ኮይኑ ክርኤን እዘን ሃገራት ናብ ምዕራብ ሓገራት ሕጹጽ ምቅርራብን ክገብራ ተራእየን ከብቅዓ ቀስ በቐስ ድማ ካብዚ ምዕራባዊነት ፖሊቲካዊ ባህል ንድሕሪት ከብላ ጀሚረን እዚ ድማ ኣብዘን ሃገራት እቲ ናይ ዴስነት ሥርዓት ክምለስ ባይታ ፈጢሩ ኢዩ። ኣብ ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ሥልጣን ምስ ጨበጡን ናይ ፑቲን ፖሊቲካ ነቲ ከይዲ ፖለቲካ ነበር ሶቪየት ኅብረት ዳግም ዘበራብር ኮይኑ ስለ ዝተገመተ እውን እዘን ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ተመሊሰን ናብ ምዕራብ ሃገራት ክቐርባ ጀሚረን ንኣብነት ኡክራይን ጆርጂያን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ እቲ ሥርዓት ፑቲን ከይዕብለንን ናብ ናይ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ወተሃደራዊ ቃል ኪዳን ክቐርባ ተበጊሰን ኢየን ኢሎም።

ኣብ መደምደምታ እቲ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝተጀመረ ፖለቲካዊ ከይዲ ገና ኣብ ፍጻሜ ኣይበጽሔን ስለዚ ምስ ሩሲያ ጥንታዊ ባህላዊ ምትእስሳር ስለ ዘለወን እቲ ኣብኤን ዝረጋገጽ ምርግጋእ ምስ ናይ ሩሲያን ምስቲ ኣብ ሞንጎ ሞስኮን ዋሽንግተንን ዝግበር ርክብ ዝተተሓሓዘ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.