2009-08-25 15:12:15

መበል 60 ሶሙን ሃገራዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ ባርለታ ሰብኻ ትራኒ ይካየድ አሎ


ብማእከል ተግባር ሥርዓተ ኣምልኾ ዝተሰናደወ መበል 60 ሶሙን ሃገራዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ‘ምስ ኣምላኽ ተዓረቁ፣ ምሕረት ኣምላኽ ምሥራዕ’ ብዝብል ኣብ ካልአይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕራፍ 5 ቍ 21 ምስ እግዚኣብሔር ክትዕረቁ ብስም ክርስቶስ ንልምነኩም ኣሎና ኣብ ዝብል ጥቅሲ ንዝተምሥረተ መሪሕ ሓሳብ ዝትንትን ጉባኤ ብፁዕ ኣቡነ ጆባን ባቲስታ ፒኪየሪ ናይ ሰበኻ ትራኒ ባርለታ ቢሸጝየ ብዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ትማሊ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ተጀሚሩ። እዚ ጉባኤ እዚ ክሳብ ዚመጽእ ዓርቢ ክካየድ እዩ።

ኣብቱ መኽፈቲ ሥነ ሥርዓት ብስም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዝዮ በርቶነ ናብቲ ነቲ ጉባኤ ዝመርሑ ዘለው ሊቀ መንበር ማእከል ተግባር ሥርዓተ ኣምልኾ ብፁዕ ኣቡነ ፈሊቸ ዲ ሞልፈታ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ተነቢባ።

ብናይ ቅዱስ ኣቦና ሰላምታን ሠናይ ትምኒትን ጸሎት ምእንቲ ጉባኤኛታትን ጉባኤን እትጅምር መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና፣ ንማእከል ተግባር ሥርዓተ ኣምልኮ ብዘርኣዮ ንጥፈትን ዝገበሮ ኣበርክቶስ ድሕሪ ምምሥጋን ኣብ ቅዱስ ጉባኤ ናይ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ብምምርኳስ ንቤተ ክርስትያንን መታዓይይታን ሓዲስ ኃይልን ምትብባዕን ጽንዓትን ከወፍዩ የማሕፅኑ። ኣተሓሕዚም ከአ ኣብ ውሽጢ እዚ 60 ዓመት ብዝተፈላለዩ ኣቡናትን ካህናትን ገዳማርያንን ገዳማውያትን ሊቃውንትን ዝተገበረ ኣስተዋጽኦ ብማእከልነት እዚ ማኅበር እዚ ናብ ኩሉ ከምዝተባጽሔር ቤተ ክርስትያን ንሥርዓተ ሊጡርጊያ ብዝበለጸ ክትርድኦን ክትነብሮን ከምዝኸአለት አዘኻኺሮም።

ንሶሙን ሥርዓተ ኣምልኾ ብዝምልከት ብፁዕ ኣቡነ ፒኪየሪ ብጋዜጠኛ ረድዮ ቫቲካን ተሓቲቶም ነዚ ዚስዕብ መብርሂ ሂቦም። ‘ማእከል ተግባር ሥርዓተ ኣምልኾ ሃገረ ጣልያን ብዝሃቦ መምርሒ መሠረት ሶሙን ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብዚ ሰበኻ ምክያዱ ንዓናን ንመላእ ቤተ ክርስትያንን ምሩጽ ጊዜ ጸጋ እዩ። ተልእኾ ናይ’ዚ ጉባኤ’ዚ ንኩላ ቤተ ክርስትያን ብፍላይ ከአ ነዛ ፍሉይ ጉዕዞ ኣብ መጽናዕትን ዕብየትን ንስሓ ተካይድ ዘላ ሰበኻና ናብ’ቲ መሠረታዊ ትክክለኛን ሓቀኛን መንፈስ ሥርዓተ ኣምልኾ ንኽንምለስ ጻውዒት ነቅርብ። እዚ ኸአ ሥርዓተ ኣምልኾ ብንስሓ ናብ ቤት ኣቦ ተመሊስካ ምስ ኣቦ ዘራኽብ ድልድል ስለዝኾነ ኩሎም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ኣብዚ መጨረሻ ግዝያት ዝተሾሙ ኩሎም ኣድላይነት ምሥጢረ ንስሓ ገሊጾም። ወንጌል ድሕነትን ምሕረትን ክርቶስ በዚ ዓቢ ምሥጢር እዚ ጌርካ እዩ ዚስበኽ። ብሕልፊ ሎሚ ክበድ ሓጢኣት ተዘንጊዑ ብዙሓት ካብ ምሥጢረ ንስሓ እናረሓቁ ይኸዱ ከምዘለው ንምልከት ኣሎና። ነዚ ዓቢይን ኣገዳስን ዝኾነ ምሥጢር እዚ ኣብ ትሕቲ ‘ምስ ኣምላኽ ተዓረቁ፣ ምሕረት ኣምላኽ ምሥራዕ’ ዚብል ተማ ከነጽንዕ እንከሎና ዓቢይ ስብከተ ወንጌል ናይ ምሥጢረ ንስሓ እዩ። ቤተ ክርስትያን ብምልእታ ብቃል ኣምላኽን ብሥርዓተ ምሥጢረ ንስሓን ነዚ ተስተማቅር፣ ኣብ ተግባር ግን እንተደአ ልብና ከፊትና ክንቅበሎ እንተዘይቀሪብና ብርግጽ ነዚ ዓቢይ መዝገበ ምሕረት ንጥቀመሉ አሎና ኪበሃል ኣይከአልን።ምስ በሉ ቀጺሉ ዝቀረቦም ሕቶ፣ ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ኣድላይነት ምኽሪ ካህን ክሳብ ክንደይ እዩ ዝብል ነበረ።

ብፁዕ ኣቡነ ፒኪየሪ፣ ‘ቀንዲ ኣድላይነት ዘለዎ ንካህን ዘይኮነስ ንቃል ኣምላኽ ጽን ቢልካ ምስማዕን ምስትንታንን እዩ፣ ከምቲ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ተሓድሶ ምሥጢረ ንስሓ ኣመልኪትዎ ዘሎ፣ ቀዳምነት ነቲ ብምሥጢረ ምሕረት ዝግለጽ ቃል ኣምላኽ እዩ ኪወሃብ ዘሎዎ እቲ ካህን እውን እንተኾነ በዚ ቃል እዚ እዩ ክእለት ዝለብስ፣ ኣብዚ ምሥጢር እዚ እቲ ካህን ንባዕሉ ብመሠረት እቲ ቃል ኣምላኽ እዩ ዝዛረብን ነቲ ወልደ ንስሓ ብኅልናኡ ንክርስቶስ ብተኣማንነት ንኽስዕብን ዝሕግዞ፣’ እንክብሉ ዝሃብዎ መብርሂ ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.