2009-08-22 14:57:48

ንግድ ኤኮኖሚያዊ ተግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ግብረ ገባዊ ኣውን ኢዩ


ምጥራይ ወይ ድማ ምዕዳግ ናይ ኤኮኖሚያ ተግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ግብረ ገባዊ ተግባር እውን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ “ካሪታስ ኢን ቨሪታተ-ፍቕሪ ኣብ ሓቂ RealAudioMP3 ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቶም ብዛዕባ ክውንነት ተጠቀምትን ማኅበራዊ ኃላፍነቶምን ኣብ ዝድህስስ ዓንቀጽ ከምዘመልከቱዎ ክፍለጥ እንከሎ። ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ዓንቀጽ’ዚ ተጠቃሚ ምስቲ ናይ ኤኮኖሚ ርትዓውነት ዘይቃረን ኣብ ናይ ግብረ ገብ መሠረታዊ ሕጊ ህንጸት ክረክብ ከምዝግባእ ከምዘተሓሳሰቡን፣ እዚ ዓለም ሓቆፍ ምትእስሳር እናተስፋሕፍሔ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ሓድሽ ናይ ፖለቲካን ተጠቀምትን ናይ ማኅበራቶምን ሥልጣን ክቕልቀል ከምዝግበረን ኣረዲኦም፣ እዚ ብከይዲ ኤኮኖሚ ዝፍጠር ሰብኣዊ ርክብ ክነቓቕሑን ክውገዱን ዝብግኦም ረቛሒታት ዝጠቓለለ ኢዩ ኢሎም። እዚ ድማ ተጠቃሚ እቲ ናይ ምጥራይን ምዕዳግን ተግባር ኤኮኖሚያዊ ዝምልከት ጥራሕ ዘይኮነስ ግበረ ገባዊ ተግባር እውን ዝሕብር ምዃኑ ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ይሕብሩ።

ምጥቃምን ምዕዳግን በዘልማድ ዝፍጸም ተግባር ጌርካ ምርኣይ ዘይኮነስ፣ እዚ ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ኣብ ናይ ኤኮኖሚ ውሳጠነት ዘሎ ባህርይ’ኳ እተኾነ፣ እዚ ናይ ኤኮኖሚ ርትዓውነት ከየናሸኻ ወትሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ናይ ምግዛእን ምጥራይን ናይ ወዲ ሰብ ዕማም ናይ ግብረ ገብ መሠረታዊ ሕጊ ብምኽባር ክፍጽሞ ከምዘለዎ ዝድግፍ ሕንጸት ኣገዳሲ ኢዩ ይብሉ። ኣብዚ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ናይ ምዕዳግን ምጥራይን ድፍኢት ድላይ ሰብ ክዛባዕን እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎ ግሁድ ምዃኑን ምእንቲ’ዚ ነዚ ዓይነት ሽግር ንምድራት ድማ እቲ ናይ ምጥራይን ምዕዳግን ሰብኣዊ ተግባር ምጡንን ለባም ክኸውን ኣብ 1800 ዓመታት ናይ ካቶሊክ ባህሊ ዘበገሶ ከምቲ ናይ ኣጥረይትን ዓደግት ናይ ምትሕግጋዝ ማኅበራት ዘነቓቕሕዎ ሜላ ብምኽታል ክፍታሕ ይከኣል ኢዩ። ስለዚህ እቲ ናይ ምዕዳግ ሰብኣዊ ተግባር ርትዓዊ ኮይኑን ምህርቲ ዘቕርብ ድማ ርትዓዊ መኽሰብ ንኽረክብ ክጽዕር ኣለዎ፣ በዚ ከምዚ ዓይነት ኤኮኖሚያዊ ርክባት’ዚ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ክፍታሕ ከምዝከኣል ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣመልኪቶም፣ ናይ ተጠቃሚ፣ ዓዳጊን ተራ ረቛሒ ናይ ዴሞክራሲያዊ ስነ ቁጠባ ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ብዛዕባ ተጠቃሚ፣ ዓዳግን ተራ ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ናይቲ ተጠቃሚ ስነ ምግባራዊ ኃላፍነቱ ዘረድእ ከምዝኾነ ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ፓውሎ ላንዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ንምዕዳግን እቲ ሓድሽ ዝወጽእን ዝተምሃዘን ምህርቲ ንምዕዳግ ሓርገፍ ገፍን እናበልካን ኣነ እበልጽ ኣብ ዝብል ስሱዕ ውድድራት መታን ከይንወድቕ እንታይ ክንገብር ከምዘለና ቅዱስ ኣቦና እብዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ሓቢሮም ኢዩም። ስለዚህ ስነ ምግባር ኣብ ርትዓዊ ኤኮኖሚ ንናይ ምዕዳግ ሰብኣዊ ባህርይ ዝጻረር ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብ ኢጣሊያ ዝተፈላለያ ናይ ክርስትያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ዝሓቁፍ ማኅበር ዋና ኣመሓዳሪ ሰርጆ ማሬሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣገዳስን ኣድላይን ምህርቲ ብምዕዳግ ኣብ ዓለምና ሥርዓት ዝኽተል ቅኑዕን ፍትሓውን ንግድ ንክረጋገጽ ምውሳእ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብዛ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኾቶም ብዛዕባ ንግድ ኣብ ዝምልከት ዓንቀጽ ዝሃብዎ መሪሕ ትምህርቲ ተጠቂሱ ከምዘሎ እውን ዘኪሮም፣ እዚ ዓይነት ከይዲ ንግድ ኣብ ዓለምና ንዘሎ ድኽነት ንምቁጽጻርን ድኻታት ደገፍ ክረኽቡን ዘተባብዕ እውን ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.