2009-08-21 16:14:48

ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ባዶ መፈክር ኮይኑ ከይተርፍ ቀጻሊ ኵስኰሳ ካህናት ብግዲ የድሊ


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ትማሊ ሓፈሻዊ ናይ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣስተምህሮኦም፣ ኣብ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊ ተዘኪሩ ዝወዓለ ቅዱስ ዮሓንስ አውደ ክህነትን ተልእኮን ብምትኳር ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመተ ካህን ኵስኰሳ ካህናት ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ናይ ግድን ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም። ዘቅረብዎ ኣስተምህሮ እዚ ዚስዕብ ነበረ።

‘ዝኸበርኩም አኅዋትን ኣኅትን፤ ብግጻዌ ሥርዓተ ኣምልኾና ሎሚ ቅዱስ ዮሓንስ አውደ ንዝክር አሎና። እዚ ቅዱስ እዚ ትጉህን ዘይሕለልን ሓዋርያን ካህንን ናይ ዘመኑ ዝነበረ እዩ። ፍሉይ መንፈሳውነትን ኅሉፍ ፍቅሪ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስን ቅዱስ ልቢ ድንግል ማርያምን ነበሮ። ቅዱስ ዮሓንስ አውደ ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝነበረን ብትግሃት ዘገልገለን ካህን እዩ። ታሪኽ ከምዘዘንትዎ መበል 17 ክፍለ ዘመን ብዙሕ ጸበባን ስደትን ምፍልላይን ሽግርን ዝነበሮ ዘመን እዩ። ናይ 30 ዓመታት ውግእን ዝነበረ ምፍልላያትን ንማእከላይ ኤውሮጳ ዓቢ ዕንወት አስዒቡ እዩ። እዚ ዕንወት እዚ ናይ ንብረት ጥራሕ ዘይኮነ ብዙሓት ነፍሳት እውን ተዳኺመን እየን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ንሃይማኖት ንምድኻም ብዙሕ ፍልስፍናን ሕንፍሽፍሽን ተኸሲቱ ነሩ፤ ከም ሳዕቤኑ ከአ ቤተ ክርስትያን ኩሉ ሓርበቲዋ ነበረ።

ኣብ’ዚ ጽንኩር ጊዜ እዚ መንፈስ ቅዱስ ሓድሓደ ዓበይቲ ቅዱሳን ብምልአኽ ቤተ ክርስትያን ከምትሕደስ ገበረ። ካብዚኦም መንፈስ ቅዱስ ብዘስተንፈሰሎም መንፈሳዊ ቅንአት ተንሢኦም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዓቢ ተሓድሶ ዘምጽኡ ዓበይቲ ቅዱሳን ቅዱስ ደ ፐሪ፣ ቅዱስ ቪንቸንሶ ዘጳውሊ፣ ቅዱስ ልዊጂ ዘማርያም ነበሩ። እዚ ሎሚ ንዝክሮን ነኽብሮን ዘሎና ቅዱስ ዮሓንስ አውደ እውን ሓደ ካብኦም ነበረ። እዚ ሓረግ ትውልዲ ቅድስና ናይ ሃገረ ፈረንሳ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት ቅዱሳን ኣቍጺሩ እዩ፤ ናይ ኣርስ ቆምስ ዝነበረ ቅዱስ ዮሓንስ ማርያ ቫያኒ ፍረ ናይ’ዚ ሓረግ እዚ እዩ። ብናይ እግዚአብሔር ምሥጢራዊ ኅልዮታዊ መንገዲ ቅድመይ ንቤተ ክርስትያን ዝመርሑ ዝነበሩ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ መበል 11 ብዕለት 31 ግንቦት 1925 ዓምፈ፣ ንዮሓንስ አውደን ንናይ አርስ ቅዱስ ቆሞስ ዮሓንስ ማርያ ቫያኒን ናብ’ዚ ልዑል ደረጃ ቅድስና ብምስግጋር ቅድስናኦም ብሓደ አወጁ። በዚ አዋጅ እዚ ከአ ንኹሉ ብፍላይ ከአ ንቤተ ክርስትያን ክልተ ፍሉያት አብነትን አዕኑድን ቅድስና ክህነት ዝኾኑ ቅዱሳን አበርኪቶም።

ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ካህን አበርክቶ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አውደ ዓቢይ እዩ፣ ብኅልፊ ንሱ ዘተአታተዎ ኵስኰሳ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጸት ካህናት ዓቢ ግደ አለዎ።

ቅዱሳን ሓቀኛ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ተርጐምቲ እዮም። ንሳቶም ንቃል ቅዱስ ወንጌል ብምፍላጥን ብኣኡ ሕይወቶም ብምሕናጽን ብምምራሕን ሓቅነት ቃል ኣምላኽ ብተመኵሮኦምን ብሕይወቶምን መስኪሮም ኢዮም።

ቅዱስ ዮሓንስ አውደ ብ1601 ዓም ኣብ ኖርማንድያ ሃገረ ፈረንሳ ተወሊዶም ክሳብ ብ1680 ዓም ብሞት ካብ’ዛ ዓለም’ዚአ ዝፍለዩ ንወንጌለ ክርስቶስ ብሕይወቶም ዝመስከሩን ዝሰበኹን ዓቢ ቅዱስ ነበሩ።’ ብምባል ቅዱስ ኣቦና አሕጽር ኣቢሎም ታሪኽ ሕይወት ናይ’ዚ ዓቢ ቅዱስ እዚ ድሕሪ ምግላጽ ዓቢ አበርክቶ ናይ’ዚ ቅዱስ እዚ ኣብ ጉባኤ ትረንቶ ንዝተገብረ ተበግሶ ተሓድሶ ቤተ ክርስትያን ኣብ ግብሪ ምውዓል ምዃኑ ብከምዚ ዚስዕብ ገለጹ።

‘ብ1563 ጉባኤ ትረንቶ ናይ ሰበኻ ዘርአ ክህነታት ንምቋምን ንሥነ መዕበያን ኵኰሳን ካህናት ዘገልግልን ሕግታትን መምርሒታትን አዊጆም። እዚ መግበሪኦም ቀንዲ ምኽንያት ከአ እቲ ኣብ’ቲ ግዜ እቲ ተኸሲቱ ዝነበረ ቅልውላው ብሪፎርመሽን ዝፍለጥ ውሳጣዊ ተቃውሞ ቤተ ክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ሕንፀት ናይቶም ካህናት ብቅዓት ስለዘይነበሮ ጉድለት ሥነ አእምሮአዊ ብስለትን መንፈሳውነትን ንልቢ ካህንን ንነፍሱን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ’ቶም ዝመርሖም ዝነበረ ምእመናን ክንደይ ጸገም ከምዝፈጥር ብሩህ ስለዝነበረ እዩ። እዚ ብ1563 ዝተገብረ አዋጅ ብዝተፈለለየ ምኽያንት ኣብ ጀርመን ይኹን አብ ፈረንሳ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይተኻእለን። ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ እዩ እምበአር ቅዱስ ዮሓንስ አውደ ሳዕቤን ናይ’ዚ ብምርአይ ንሕንጸት ካህናት ዘገልግል ማኅበር ወይ ዘርአ ክህነት ዝተኸለ። ብዙሕ ፍረ ስለዝተረኽበሉ ከአ ብቅልጡፍ ኣብ ካልእ ሰበኻታትውን ክዝርጋሕ ክኢሉ።

ኣብቲ ጨካንን መንፈሳውነት ዝማህመነሉን ጊዜ እቲ ከምቲ ዘማራይ ዝብሎ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ እውን ጽቡቅ ጌሩ ዝትርጕሞ፣ ንልቢ ሰባት ክዛረብ ደለየ። ንኹሎም ሰባት ብፍላይ ከአ ኣብ ኵስኰሳ ዝርከቡ ናይ መጻኢ ካህናት ፍቅሪ ክህነታዊ ቅዱስ ልበ ኢየሱስን እናታዊ ቅዱስ ልበ ማርያምን ከሕድሩ ይምሕፀኑ ነሮም። ነፍሲ ወከፍ ካህን ናይ’ዚ ፍቅሪ ቅዱስ ልበ ኢየሱስን ቅዱስ ልበ ማርያምን ምሥክርን ሓዋርያን ክኸውን አለዎ። ኣብ’ዚ ግዜና እንተመጻእና፤ ናይ’ቲ ንሓንሳብን ንወትሩን ብክርስቶስ ዝተዋህበና መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት አምላኽ መሰኻኽር ዝኾኑ ቅዱሳትን ውፉያትን ካህናት የድልዩና አልው። እዚ ኸአ ብመሠረቱ ካብ’ቲ ኣብ ዘርአ ክህነት እንገብሮ ኵስኰሳ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ከሰንዮም ዘለዎ ቀጻሊ ሕንጸት እዩ።’ እንኪብሉ ኵስኰሳን ሥነ መዕበያን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ኣብ ካህናት ዓቢ ግደ ከምዘልዎ ንምዝኽኻር ንአገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምዝካር፤ ‘ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልአይ ድሕሪ ሲኖዶስ ‘Pastores Dabo Vobis’ ‘ከም ልበይ ዝጋስዩኹም ጓሶት ክህበኩም እየ’ ብዝብል አርእስቲ ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ጉባኤ ትረንቶ ዘመሓላለፎ ለበዋታት ብምሕዳስ ካህናት ካብቲ ፈላሚ ኵስኰሳ ዘርአ ክህነት ጀሚርካ ክሳብ መወዳእታ ቀጻሊ ኵስኰሳን ትምህርትን ከምዘድልዮም፤ እዚ ኸአ ሕመረት ናይ’ቲ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ከምዝኾነ ገለጹ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ንሕና እዚ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል እዚ ባዶ መፈክር ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ፣ ኣብ ግብሪ መታን ክትርጐም እዚ ሕንፀት እዚ ብግዲ የድልየና።

ኣብ ዘርአ ክህነት ንኵስኰሳን ሥነ መዕበያን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ዝተሓንፀፁ መሠረታውያን ሕግታት መተካእታ ዘይርከቦ መንፈሳዊ ሕመረት ናይቲ ካልአ ክርስቶስ ንምዃን ዝግበር ተመኵሮ እዩ። እዚ ኸአ እቲ ሊቀ ካህናትን ሕያዋይ ጓሳን ዝኾነ ክርስቶስ ቀስ ቢሉ ኣብ ካህኑ ዝዘርኦን ዘብቁሎን ዘፍርዮን ሕንጸት እዩ።’

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ምስቲ ክርስቶስ ንሓዋርያት ኣብ ዝጸዋዓሉ ጊዜ ቅድሚ ምልአኹ ምሳኡ ምስ ዘሰናድዎ ጊዜ ብምግንዛብ፣ ‘ቅዱስ ማርቆስ ናይቶም 12 ሓዋርያት ጸዋዕታ እንኪትርኽ ኢየሱስ ማንታ ዕላማ ከምዝነበሮ ይገልጽ፣ እቲ ቀዳማይ ምሳኡ ንክኾኑ እዩ፣ እቲ ካልአይ ከአ ከይዶም ንኽሰብኩ ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ወላ እውን ኪዱ እንተበሎም ወትሩ ምሳኦም ስለዝኾነን ዝስበኽ ንሱ ስለዝኾነን ወትሩ ምሳኦም እዩ።’

ኣብ መደምደምታ አስተምህሮኦም ንኩሎም ምእመናን ምእንቲ ካህናት ክጽልዩ ሓደራ ድሕሪ ምባል ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ አውደ ንካህናት ዝተላበዎ ብምድጋም ናይ ዕለቱ አስተምህሮ ከምዝዛዝሙ ገለጹ፣ ‘ኦ ካህናት ኣብቲ ልቢ ቅድስት ድንግል ማርያም እኖኡን ልቢ ኩሎም ቅዱሳንን ሒዙ ዘሎ፣ መወዳእታ ዘይብሉ ፈቃር ዓቢ ልበ ኢየሱስ አቲኹም ንኽትክእሉ፣ ኩለንትናኹም ንኢየሱስ፣ በዚ ከአ ኢኹም ኣብቲ ባሕሪ ፍቅሩን ምሕረቱን ትሕትናኡን ንጽሕናኡን ትዕግሥቱን ተአዝዞኡን ቅድስናኡን ክትጥሕሉን ብኣኡ ክትወሓጡን እትኽእሉ’ ብምባል ሮብዓዊ ኣስተምህሮ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ዛዘሙ ንተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ድሕሪ ምምስጋን ብሓዋርያዊ ቡራኬ ናይ ዕለቱ አስተምህሮ ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.