2009-08-20 14:56:09

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠት


ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ኣውራጃ ትራፓኒ ከተማ ኤሪቸ ዝርከብ ኤቶረ ማዮራና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ፍልጠት ምርምር ማእከል ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ዘዳልዎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዓውደ መጽናዕቲ RealAudioMP3 ናይ ለብዘበን 2009 ዓ.ም.ፈ. ጉባኤ ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠት “ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእ፣ ጥዕና ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየርን ቅልውላው ሃብቲ ጸዓትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሰነየ ሎሚ ብዕሊ ከምዝጀመረን ክንገር እንከሎ እዚ ጉባኤ ዓውደ መጽናዕቲ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዝቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ 120 ናይ ስነ ፍልጠት ሊቃውንቲ ዘሳትፍ ዘሎ ናይ ኤርይቸ ከተማ ጉባኤ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ናይ ስነ ፍልጠት ሊቃውንቲ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ማኅበር ሊቀ መንበር ናይ ስነ ስነ ፍልጠት ሊቅ ኢጣሊያዊ ፕሮፈሶር ኣንቶኒዮ ዚኪኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ዓለምና ህጹጽ ስነ ፍልጠታዊ መልሲ ዘድልዮም ዓበይቲ ሽግራት ብዙሓት ኢያቶም፣ እንተኾነ ግን ብድብድቡ ሓፈሻዊ ህዉኽ መልሲ ካብ ምሃብ፣ ካብቶም ዓበይቲ ሽግራት ዝበሃሉ እቶም ብዝያዳ ህጹጽ መልሲ ዘድልዮም ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእ፣ ብከላ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየርን ቅልውላው ሃብቲ ጽዓትን ብስነ ፍልጠት ደረጃ መልሲ ንምሃብ ዝሃቀነ ጉባኤ ምዃኑ ሓቢሮም። ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ከምዝሓበርዎ ህዝቢ ዓለም ብሕልፊ ድማ ህዝቢ ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ንረብሓ ህዝቢ ድኻታት ሃገራት ብዛዕባ ስነ ምኅዳር ንቕሓት ክህልዎምን ኣብዚ ጉዳይ ኣስተውዕሎ ክገብሩ ኣለዎም ዝበልዎ ሓሳብ ፕሮፈሶር ዚኪኪ ጠቒሶም እዚ ድማ ምክልኻል ሕይወትን ሰብኣዊ ክብርን መሠረት ዝገበረ ምዃኑ ኣረዲኦም ምእንቲ’ዚ መደብ ናይ ኩሎም መንግሥታት ክኸወን ኣልዎ ኢሎም። ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣጠቓቕማ ስነ ፍልጠት፣ ስነ ፍልተት ማለት ኣይኮነን፣ እዚ ድማ ዝኾነ ይኹን ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ተፈጥሮን ክቡር ዋጋ ሕይወትን ዘኽብርን ምሉእ ሰባኣዊ ምዕባለ ዝነቓቕሕ ክኸውን ከምዘለዎ ዝመልክት ኢዩ፣ ስለዚህ መሪሕ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያንን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ቀንዲ ምኽንያት ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ፍጥረት ኣብ መላእ ዓለም ክስፋሕፋሕ ዘተባብዕን ኢዩ ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.