2009-08-20 14:57:38

ሕማም ሓንጎል መንሽሮ


ክልተ ናይ ስነ ሕክምና ተመራመርቲ ዜጋታት ኢጣሊያ ንሕማም ሓንጎን መንሽሮ ዝድርት ፍልዩ ዓይነት ፕሮተይን ከምዝረኸቡ ተሓቢሩ። እዚ ኤች ዳብልዊ ኢ ዋን ተባሂሉ RealAudioMP3 ዝጽዋዕ ኣብቲ ብሕማም መንሽሮ ዝተጎድኤ ሓንጎል ብሕክምና ዝግበር ትካኤ ተኅዋስ ሓንጎል ብትኽክል እቲ ሓንጎል ሥርሑ ከካይድን እቲ ሕማም መንሽሮ ከይስፋሕፋሕን ዝድግፍ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዞም ክልተ ናይ ስነ ሕክምና ሊቃውንቲ ኣንቶኒዮ ኢያቫሮነን ኣና ላሶረላን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ኮሎምቢያ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሕክምና ማእከል ዝሠርሑ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ተረኺቡ ዝበሃል ዘሎ ሓድሽ ፕሮተይን ኣመኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ስነ መትኒ መንሽሮ ሕክምና ሊቅ አንድረያ ሳልማጂ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃል ምልልስ፣ እዚ ኣብቲ ብመንሽሮ ዝተጠቕዔ ሓንጎ ዝግበር ናይ መተካእታ ተኅዋስ ሕክምና ከይዛባዕን እቲ ሓንጎል ከይነጽጎን ኣገልግሎት ሓንጎል ሥሩዕ ኮይኑ ክቕጽል ዝቆጻጸርን ናይቲ ዝተተክኤ ተኅዋስ ሚዛን ዝሕሉን ከምዝኾነ ሓቢርም፣ እዞም ክልተ ናይ ስነ ሕክምና ሊቃውንቲ ዝረኸበዎ ዓይነት ፕሮተይን ዓቢይ ሳይስናዊ ርኽበትን ሕማም መንሽሮ ንምቁጽጻሩ ንዝግበር ናይ ስነ ሕክምናን ምርምርን ጻዕርን ንቕድሚት ክስጉም ዝገበር ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.