2009-08-18 14:18:53

ሕዳሴ መርምሒ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ናይ ሃገሮም ናይ ሕክምና ኣገልግሎት መምርሒ ንምሕዳስ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ኵሉ ዜጋ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰሉ ክሕሎ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዝነገረሉ ክኽውን RealAudioMP3 እንከሎ፣ ናይ’ዛ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ርእሰ ብሔር ኦባማ ዝሃቀንዎ ሕዳሴ መምርሒ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት፣ ሕይወትን ክብሪ ሰብን ዝከላኸልን ምንጻል ጽንሲ ዘይተባብዕን ክኸውን ኣለዉ ከምዝበለ ተገሊጹ።

ዕላዊ መርበብ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ከምዘመልክቶ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ኩላዊ ክኸውን ከምዘለዎን መሰል ኵሉ ዜጋ እውን ከምዝኾነን ሓቢሮም፣ ሕይወትን ሰብኣዊ ክብርን ዝሕሉን ዘኽብርን ክኸውን ከምዘለዉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። መሰል ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ናይ ኵሉ ከምዝኾነን ካብዚ ኣገልግሎት እዚ ዝተነጸለ ድኻ ይኹን ስደተይና ማንም ክፍሊ ሕብረተሰብ ክህሉ ከምዘይብሉ፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰብኣዊ ምዕባለን ዝሓሊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዊሊያም ማርፍይ ፊርማ ዝተነብሮ ዘውጽኦ መግለጺ የገንዝብ።

ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ሕይወትን ስድራ ቤትን ዝምልከት መሪሕ ትምህርትታታን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ በመል 16 ዝሃብዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዝትንትን መጽሓፍ ንሕትመት ብምብቃዕ ትርጉም ሚስጢረ ተክሊልን ናይ ሕይወት ባህልን፣ ኣብ ሰብ ውሽጢ ዘሎ ሓቅን ጽባቔን ሚስጢረ ተክሊል ብሰፊሕ ተገሊጽሉ ከምዘሎ ክፍለጥ አኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.