2009-08-18 14:21:43

ሕቡራት መንግሥታታ ኣሜሪካ


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሄር ባራክ ኦባማ ሥራሕ ዘለዎምን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ብዘየገድስ ንናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዝፈስስ ወጻኢ ብመደብ ንዅሉ ሕክምና ምብጻሕ ምኽንያት ብምንካይ ነቶም ውሕስነት ናይ ሓለዋ ጥዕና RealAudioMP3 ኣገልግሎት ከረጋገጽ ንዘይክእሉ ዜጋታት ሓለዋ ኣገልግሎት ጥዕና ንኽረኽቡ ቢሎም ዝሓንጸጽዎ ንድፊ ሕዳሴ መምርሒ ሕክምና ኣገልግሎት ኣመልኪቶ ኣብ ኔው ዮርክ ታይምስ ሰፊሕ መግለጺ ከምዝሃቡሉ ተገሊጹ።

እቲ 46 ሚሊዮን ዜጋታት ኣሜሪካ ሕክምና ናይ ምርካብ ኣገልግሎት ውሑስ ዘይገብር ስልቲ ሕክምና ኣገልግሎት ምሕዳስ ማለት ናጻ ሕክምና አገልግሎት ምሃብ ማለት ዘይኮነስ ነዚ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ወጻኢ ዝሽፍን ማሕበራዊ ምትሕብባር ብምፍጣር ነዚ መደብ መሳለጢ ዝውዕል ናይ ፈደራላዊ ሃብቲ ገንዘብ ብዘይ መንግሥቲ እደ ኣታውነት ብማሕበራዊ ተራድኦ ዝመሓደር ከይዲ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ማለት ምዃኑ ሚኒስትር ሓልዋ ጥዕና ካትሊን ሰብሊዩስ ከምዝሓበሩ ተፈሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.