2009-08-15 14:00:12

ናይ ሃይማኖት ነጻነት


ናይ ሃይማኖት ነጻነት ጉዳይ ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ድርገት ንህንዲ እተን ናይ ሓይማኖት ነጻነት ዘየኽብራ ሃገራት ፈልዩ ኣስማተን ኣብ ዘንብረሉ ዝርዝር መዝገብ ከምዘሥፈራ ተሓቢሩ። RealAudioMP3 እዚ ድርገት’ዚ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ኣብ ሕንዲ ናይ ሓይማኖት ነጻነት ክኽበር መታን ንናይ ህንዲ መንግሥቲ ፖሊቲካዊ ጸቕጢ ክገብሩ ከምዝሓተተ ተገሊጹ።

እዚ ናይ ሃይማኖት ጉዳይ ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ድርገት ኣብ 2002 ዓ.ም.ፈ ኣብ ህንዲ ጉጃራት ከባቢ ዝተፈጸመ ጸረ ምእመናን ምስልምና፣ ኣብ 2008ን 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኦሪሳ ከተማ ዝተፈጸመ ጸረ ክርስትያን ዓመጻት ከም ኣብነት ብምጥቃስ ህንዲ ንፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ግብጽን ኢንዶነዢያን ሶማሊያን ኩባን እናመሰለት ትኸይድ ኣላ ከምዝበለ ተሓቢሩ።

ናይ ህንዲ ናይ መንግሥቲ ወሃቢ ቃል ቪሽኑ ፕራካሽ ኣቲ ድርገት፣ ህንዲ ኣብቲ እተን ናይ ሃያምኖት መሰል ዘይኽብራ ኣስማት ሃገራት ዘንበረሉ መዝገብ ክትኣቱ ምግባሩ ዓቢ ጌጋ ጥራሕ ዘይኮንስ ኣብ ናይ ህንዲ ውሽጣዊ ፖለቲካ ጉዳይ እደ ኣታውነት ኢዩ ዘስምዕ ከምዝበሉ ተሓቢሩ። ናይ ህንዲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወሃቢ ቃል ኣባ ባቡ ጆሴፍ እቲ ምእንቲ ናይ ሓይማኖት ነጻነት ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕቡራት መግንሥታት ኣሜሪካ ድርገት ውሳኔ ኣብ ህንዲ እናተስፋሕፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ካልእ ሃይማኖት ዘይምኽባርን ዘይምጽውዋርን ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንምድራቱ መንግሥቲ ህንዲ ኣገዳሲ ውሳኔ ይወስድ ከምዘየለ እውን ርኡይ ሓቂ ኢዩ ከምዝበሉ ኤሽያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.